Filtra per genere

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

4998 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ሚያዝያ 2024)
0:00 / 0:00
1x
  • 4998 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ሚያዝያ 2024)

    ንሎሚ ሰኑይ 18 መጋቢት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መንግስቲ ኣምሓራ ህወሓት ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ጥሒሱ ራብዓይ ዙርያ ወራር ፈጺሙ ክብል ከሲሱ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግን ብሓይልታት ኣምሓራ ኣብተን ከባቢታት ዝቖመ ምምሕዳር ንምፍራስ ምስ መንግስቲ ፌደራል ስምምዕ ተገይሩ ይፍጸም ከም ዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ። ዝብል ዝርከቦ ጸብጻብ ሉኽና ኣሎ። ዝለዓለ ድሕነት ህጻናት ደቅኹም ንምሕላው ኣብ መኪና ኣቀማምጥኦም ከመይ ክኸውን ኣለዎ፧ ። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ሓደ ትሕዝቶ ከነቕርብ ኢና። ቅለ መሕትትን ካልእ ትሕዝቶታትንውን ሒዝና ተዳሊና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ሰንበት [14 ሚያዝያ] ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሕነ ክትፈዲ ትሓስብ ኣላ ። ብሰንኪ ዘጋጠመ ሕማቕ ኩነታት ኣየር፡ ካብን ናብን ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ ዝግበር ናይ ልዕሊ 270 በረራታት ተሰሪዙ ፡ ሓገዝ ወሃብቲ ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ሓገዝ ንምብጻሕ 610 ሚልዮን ዶላር ንምሃብ ተመባጺኦም።

    Thu, 18 Apr 2024 - 55min
  • 4997 - ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ሚያዝያ 2024)

    ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ሰንበት [14 ሚያዝያ] ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሕነ ክትፈዲ ትሓስብ ኣላ ። ብሰንኪ ዘጋጠመ ሕማቕ ኩነታት ኣየር፡ ካብን ናብን ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ ዝግበር ናይ ልዕሊ 270 በረራታት ተሰሪዙ ፡ ሓገዝ ወሃብቲ ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ሓገዝ ንምብጻሕ 610 ሚልዮን ዶላር ንምሃብ ተመባጺኦም።

    Thu, 18 Apr 2024 - 14min
  • 4996 - መንግስቲ ኣምሓራ ህወሓት ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ጥሒሱ ራብዓይ ዙርያ ወራር ፈጺሙ ክብል ከሲሱ።

    ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግን ብሓይልታት ኣምሓራ ኣብተን ከባቢታት ዝቖመ ምምሕዳር ንምፍራስ ምስ መንግስቲ ፌደራል ስምምዕ ተገይሩ ይፍጸም ከም ዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ምምሕዳር አዊ ዝተላዕለ ጎንጺ ኣብ ሲቪላት ሰባት ጉድኣት ምብጽሑ ነበርቲ ገሊጾም ኣብ ርእሰ ከተማ ፈረንሳይ ዝኾነት ፓሪስ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘጓነየ ዋዕላ ጎረባብቲ ሃገራትን መሻርኽትን ሱዳን ተኻይዱ። ሚኒስተር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ምስ ሓላፊት ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ ዓለም ተራኺቡ ሓገዝ ወሃብቲ ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ሓገዝ ንምብጻሕ 610 ሚልዮን ዶላር ንምሃብ ተመባጺኦም።

    Thu, 18 Apr 2024 - 07min
  • 4995 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ሚያዝያ 2024)

    ሰላም ክቡራት ሰማዕትና፣ ናይ ሎሚ ሮቡዕ 17 ሚያዝያ 2024 ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ * ሰራዊት እስራኤል ንሓደ ኣዛዚ ሒዝቡላህ ቀቲለ ይብል፡ * እስራኤል ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማቓዚ 11 ሰባት ቀቲላ ይብል ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ * ኣብ ከባቢታት ኣላማጣ ደጊሙ ዝተወልዐ ኲናት ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ኣመዛቢሉ፡ * ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ኢትዮጵያ ዝውዕል 600 ሚልዮን ዶላር መብጽዓ ተኣትዩለይ ይብል፣

    Wed, 17 Apr 2024 - 05min
  • 4994 - ዝለዓለ ድሕነት ህጻናት ደቅኹም ንምሕላው ኣብ መኪና ኣቀማምጥኦም ከመይ ክኸውን ኣለዎ፧

    ብኣጠቓቕማ መእሰሪ ዘለዎ ወንበር ህጻናት ኣብ መኪና ኣውስትራልያ ሓንቲ ካብ’ቶም ዝለዓሉ መጠናት ዘለዋ እንተኾነት’ኳ፣ ብዙሓት ህጻናት ዛጊት ካብ’ቲ ዝግባእ ትሕት ዝበለ ድሕነት ብዘለዎም ኣገባባት ኣብ መኪና ይጓዓዙ’ለው። ሓደጋ መኪና ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ዕድላት ምድሓን ህጻናት ብዝለዓለ መጠኑ ንምውሓስ ወለድን ኣለይትን ክልቲኦም ማለት ሕጋውያን ጠለባትን ብሉጻት ኣገባባትን ክርድእዎም ኣገዳሲ’ዩ።

    Tue, 16 Apr 2024 - 12min
Mostra altri episodi