Podcasts by Category

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

4996 - መንግስቲ ኣምሓራ ህወሓት ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ጥሒሱ ራብዓይ ዙርያ ወራር ፈጺሙ ክብል ከሲሱ።
0:00 / 0:00
1x
  • 4996 - መንግስቲ ኣምሓራ ህወሓት ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ጥሒሱ ራብዓይ ዙርያ ወራር ፈጺሙ ክብል ከሲሱ።

    ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግን ብሓይልታት ኣምሓራ ኣብተን ከባቢታት ዝቖመ ምምሕዳር ንምፍራስ ምስ መንግስቲ ፌደራል ስምምዕ ተገይሩ ይፍጸም ከም ዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ምምሕዳር አዊ ዝተላዕለ ጎንጺ ኣብ ሲቪላት ሰባት ጉድኣት ምብጽሑ ነበርቲ ገሊጾም ኣብ ርእሰ ከተማ ፈረንሳይ ዝኾነት ፓሪስ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘጓነየ ዋዕላ ጎረባብቲ ሃገራትን መሻርኽትን ሱዳን ተኻይዱ። ሚኒስተር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ምስ ሓላፊት ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ ዓለም ተራኺቡ ሓገዝ ወሃብቲ ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ሓገዝ ንምብጻሕ 610 ሚልዮን ዶላር ንምሃብ ተመባጺኦም።

    Thu, 18 Apr 2024 - 07min
  • 4995 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ሚያዝያ 2024)

    ሰላም ክቡራት ሰማዕትና፣ ናይ ሎሚ ሮቡዕ 17 ሚያዝያ 2024 ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ * ሰራዊት እስራኤል ንሓደ ኣዛዚ ሒዝቡላህ ቀቲለ ይብል፡ * እስራኤል ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማቓዚ 11 ሰባት ቀቲላ ይብል ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ * ኣብ ከባቢታት ኣላማጣ ደጊሙ ዝተወልዐ ኲናት ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ኣመዛቢሉ፡ * ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ኢትዮጵያ ዝውዕል 600 ሚልዮን ዶላር መብጽዓ ተኣትዩለይ ይብል፣

    Wed, 17 Apr 2024 - 05min
  • 4994 - ዝለዓለ ድሕነት ህጻናት ደቅኹም ንምሕላው ኣብ መኪና ኣቀማምጥኦም ከመይ ክኸውን ኣለዎ፧

    ብኣጠቓቕማ መእሰሪ ዘለዎ ወንበር ህጻናት ኣብ መኪና ኣውስትራልያ ሓንቲ ካብ’ቶም ዝለዓሉ መጠናት ዘለዋ እንተኾነት’ኳ፣ ብዙሓት ህጻናት ዛጊት ካብ’ቲ ዝግባእ ትሕት ዝበለ ድሕነት ብዘለዎም ኣገባባት ኣብ መኪና ይጓዓዙ’ለው። ሓደጋ መኪና ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ዕድላት ምድሓን ህጻናት ብዝለዓለ መጠኑ ንምውሓስ ወለድን ኣለይትን ክልቲኦም ማለት ሕጋውያን ጠለባትን ብሉጻት ኣገባባትን ክርድእዎም ኣገዳሲ’ዩ።

    Tue, 16 Apr 2024 - 12min
  • 4993 - ኣህጉራዊ ዋዕላ ብዛዕባ ሱዳን ኣብ ፓሪስ

    ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ሓይልታት ኪዳን ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ንሓደ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ከብቅዕ ጸዊዑ ። እዚ ዝበለ ኣብቲ ኣብ ፓሪስ ዝተገብረ ኣህጉራዊ ዋዕላ ብዛዕባ ሱዳን እዩ ፣ኣብቲ ዋዕላ ኣህጉራዊያን ለገስቲ ሃገራት ፣ ብሰንኪ' ቲ ኲናት ፣ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ጥሜት ብምውዳቑ ፣ ንሱዳን ንምሕጋዝ ልዕሊ 3 ቢልዮን ዶላር ($2.1 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ) ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝገብራላ ቃል ኣትዮም ኣለዉ ።

    Tue, 16 Apr 2024 - 05min
  • 4992 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ሚያዝያ 2024)

    ንሎሚ 16 ሚያዝያ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ አቕርበልኩም ፈለማ ኣርእስታት ኣብ ሓደ ቤተ ክርስትያን ናይ ሲድኒ ዝተገብረ መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምዃኑ ፖሊስ ኒው ሳውዝ ወልስ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ዘሎ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ሱዳን እቲ ንሓደ ዓመት ዝጸንሐ ግጭት መፍትሒ ክረክብ ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ። ዶናልድ ትራምፕ ብገበን ተኸሲሱ ኣብ መጋባእያ ናይ ኒው ዮርክ ቀሪቡ ።

    Tue, 16 Apr 2024 - 04min
Show More Episodes