Filtrar por gênero

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

5051 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ግንቦት 2024)
0:00 / 0:00
1x
  • 5051 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ግንቦት 2024)

    ሓጸርቲ ዜንታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (17052024) * ሚኒስትሪ ጉዳያ ወጻኢ ኢትዮጵያ ንመግለጺ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኮኒኑ፣ * ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝለዓለ ቤት ፍርዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እስራኤል መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ራፋሕ ደው ከተብል ትእዛዝ ክህብ ጸዊዓ፡ * ፕረዚደት ስሎቫክያ ናይ’ታ ሃገር ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ሮበርቲ ፊኮ፣ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ዝተኻየደሉ ፈተነ ቅትለት ኣብ ከቢድ ግን ዝተረጋግአ ኩነታት ኣብ ሆስፒታል ኣሎ ይብል፣ * መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ፒተር ዳተን ቅልውላው ኣባይቲ ንምዕራይ ቁጽሪ ናብ ኣውስትራልያ ዝመጹ ሰባት ክጎድል ዘለዎ ውጥን ገሊጹ፣

    Fri, 17 May 2024 - 06min
  • 5050 - 'ሃገርኩም ትፈትዉን በቲ ስርዓት ሕጉሳትን እንተኾይኑም ንምንታይ ዑቕባ ትሓቱ፣ ዘይትምለሱ፧ ዝብላ ቅቡላት ነጥብታት'የን' ሚከላ ሮንግ (2ይ ክፋል)

    ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ብሓፈሽኡ፡ ኣብ ጉዳያት ኤርትራን ሩዋንዳን ከኣ ከኣ ጥልቕ ብዝበለ መልክዑ፡ ተመራማሪትን ጸሓፊትን ዝኾነት ሚከላ ሮንግ መበል 30 ዓመት ፍጻመ ጃምላዊ ቅትለት ሩዋንዳ ንምዝካር ኣብ ኣውስትራልያ ዑደት ክትገብር ቀንያ። ንሳ 'I didn't do it for you' ዘርእስታ ኤርትራዊ ታሪኽ መግዛእትን ትድህስ ስ መጽሓፍ ዝጸሓፈት'ያ። ኣብ መንጎ’ዚ ዑደታ ምስ ኤስቢኤስ ኣብ'ዚ ኣብ ስቱድዮና ተረኺባ ቃለመሕትት ኣካይዳ ኔራ። ገለ ካብ ጽሟቕ ትሕዝትኡ ክቐርብ’ዩ። (2ይን መወዳእታ ክፋል)

    Thu, 16 May 2024 - 11min
  • 5049 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ግንቦት 2024)

    ንሎሚ ሓሙስ 16 ግንቦት 2024 ዘዳለናዮም መደባት፣ ጸብጻባት ዜና፥ * ኣብ ከይዲ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣመልኪቱ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣምባሳደር ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያን ዘትዮም፣ ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ንኣሳታፊ ዘተን ምዕራፍ ጎንጽታትን ጻውዒት ኣቕሪቡ፣ ህወሓትን ብልጽግና ዝኾነ ይኹን ጎንፂ ብሓባር ንምክልኻል ተስማዕሚዖም፣ ኣብ ዶብን ወሰንን ከባቢታት ዝነብር ህዝቢ ትግራይ ኣመልኪቱ ዝተጣየሸ ማሕበር መግለጺ ሂቡ፣ ኣብ ገለ ገጠራት ኤርትራ ፡ ካብ ዒባ ነዳዲ [ሚቴን] ንምፍራይ ፈተነታት ይካየድ ከም ዘሎ ተገሊጹ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ጀርመንን ሆላንድን ንኢትዮጵያ ሓገዝ ኣበርኪተን፣ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ተቓዋሚ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ እስራኤል ንዝተቐትለ ኤርትራዊ ኣመልኪቱ መግለፂ ሓዘን ኣውጺኡ ባጀት ኣውስትራልያ፥ * ሰልፊ ለይበር ንፈለማ ግዜ ኣብ ሰለስተ ዕቑዳት ካልኣይ ተኸታታሊ ትርፊ ኣብ ባጀት ከቕርብ`ዩ። እዚ ባጀት ኣብ መንጎ ዝቕባበ ክቆጻጸር ምፍታንን ዋጋ መነባብሮ ምቅላልን ቀጢን መስመር ሒዙ ይጓዓዝ ኣሎ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ቃለመሕትት፥ * ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ብሓፈሽኡ፡ ኣብ ጉዳያት ኤርትራን ሩዋንዳን ከኣ ከኣ ጥልቕ ብዝበለ መልክዑ፡ ተመራማሪትን ጸሓፊትን ዝኾነት ሚከላ ሮንግ መበል 30 ዓመት ፍጻመ ጃምላዊ ቅትለት ሩዋንዳ ንምዝካር ኣብ ኣውስትራልያ ዑደት ክትገብር ቀንያ። ንሳ 'I didn't do it for you' ዘርእስታ ኤርትራዊ ታሪኽ መግዛእትን ትድህስስ መጽሓፍ ዝጸሓፈት'ያ። ኣብ መንጎ’ዚ ዑደታ ምስ ኤስቢኤስ ኣብ'ዚ ኣብ ስቱድዮና ተረኺባ ቃለመሕትት ኣካይዳ ኔራ። ሶኑይ ዝጀመርናዮ ቀዳማይ ክፋል ጽሟቕ ትሕዝትኡ ሎሚ መወዳእትኡ ክቐርብ’ዩ። ኣውስትራልያን መለለይኣን፥ * ኣብ መወዳእታ The Frontier Wars (ዘ ፍሮንቲየር ዎርስ) ነቶም ብሪጣንያውያን ሰፈርቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝሰፍሩሎምን ዘስፋሕፍሑሎምን ዝነበሩ እዋናት ኣብ መንጎ'ቶም መግዛእታውያን ሰፈርትን ደቀባት ህዝብታትን ንልዕሊ 100 ዓመታት ዝተኻየዱ ጎነጻዊ ተጻብኦታት ዝገልጽ ስም'ዩ። ኣውስትራልያ ተሳታፍነታ ኣብ'ቶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተኻየዱ ኲናታት ክብሪ ትህብ ሃገር እንተኾነት'ኳ እቲ ሎሚ ከም ሃገር ኮይናቶ ዘላ ክትከውን ዝገበራ ቃልስን ኲናትን ግን ክሳብ ሕጂ ኣፍልጦ ኣይሃበቶን ወይ ኣይኣመነትሉን። እዚ ኣብ’ቲ ንኣውስትራልያ ንገልጸሉ መደብ ከነቕርቦ ኢና።

    Thu, 16 May 2024 - 54min
  • 5048 - ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ግንቦት 2024)

    ዜና ካብ ኤስቢኤስ ትግርኛ (ግንቦት 16, 2024) * መራሒ ተቓዋሚ ፌደራል ፒተር ዳተን ናይ’ቲ ዝመርሖ ሰልፊ ጥምረት መልሲ ባጀት ከቕርብ'ዩ፣ * ሒዝቦላህ ኣብ ምዕራብ እስራኤል ከተማ ቲቤርያስ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከምዘካየደ ገሊጹ፣ * ሰኔተር ሰልፊ ለይበር ፋጢማ ፔይማን፡ ንእስራኤል ኣብ ቓዛ ምጽናት ዓሌት ፈጺማ ክትብል ድሕሪ ምኽሳስ ቀዳማይ ሚኒስተርዛ ሃገር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እስራኤል እገዳ ክገብር ጸዊዓ፣

    Thu, 16 May 2024 - 07min
  • 5047 - ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጎንጽታት ክዓርፉ ንኹሉ ዘሳትፍ ዘተ ክካየድ ይጽውዕ (ጸብጻባት ዜና)

    ጸብጻባት ዜና: * ኩሎም መራሕቲ ትግራይ ኣብ ከይዲ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣመልኪቱ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያን ዘትዮም፣ እቲ ኣምባሳድር ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ንኣሳታፊ ዘተን ምዕራፍ ጎንጽታትን ጻውዒት ኣቕሪቡ፣ * ህወሓትን ብልጽግና ዝኾነ ይኹን ጎንፂ ብሓባር ንምክልኻል ተስማዕሚዖም፣ * ኣብ ዶብን ወሰንን ከባቢታት ዝነብር ህዝቢ ትግራይ ኣመልኪቱ ዝተጣየሸ ማሕበር መግለጺ ሂቡ፣ * ኣብ ገለ ገጠራት ኤርትራ ፡ ካብ ዒባ ነዳዲ [ሚቴን] ንምፍራይ ፈተነታት ይካየድ ከም ዘሎ ተገሊጹ፣ * ሕብረት ኤውሮጳ፣ ጀርመንን ሆላንድን ንኢትዮጵያ ሓገዝ ኣበርኪተን፣ * ኣብ ትግራይ ዝርከብ ተቓዋሚ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ እስራኤል ንዝተቐትለ ኤርትራዊ ኣመልኪቱ መግለፂ ሓዘን ኣውጺኡ፣

    Thu, 16 May 2024 - 08min
Mostrar mais episódios