Filtrar por gênero
- 5051 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ግንቦት 2024)
ሓጸርቲ ዜንታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (17052024) * ሚኒስትሪ ጉዳያ ወጻኢ ኢትዮጵያ ንመግለጺ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኮኒኑ፣ * ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝለዓለ ቤት ፍርዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እስራኤል መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ራፋሕ ደው ከተብል ትእዛዝ ክህብ ጸዊዓ፡ * ፕረዚደት ስሎቫክያ ናይ’ታ ሃገር ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ሮበርቲ ፊኮ፣ ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ዝተኻየደሉ ፈተነ ቅትለት ኣብ ከቢድ ግን ዝተረጋግአ ኩነታት ኣብ ሆስፒታል ኣሎ ይብል፣ * መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ፒተር ዳተን ቅልውላው ኣባይቲ ንምዕራይ ቁጽሪ ናብ ኣውስትራልያ ዝመጹ ሰባት ክጎድል ዘለዎ ውጥን ገሊጹ፣
Fri, 17 May 2024 - 06min - 5050 - 'ሃገርኩም ትፈትዉን በቲ ስርዓት ሕጉሳትን እንተኾይኑም ንምንታይ ዑቕባ ትሓቱ፣ ዘይትምለሱ፧ ዝብላ ቅቡላት ነጥብታት'የን' ሚከላ ሮንግ (2ይ ክፋል)
ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ብሓፈሽኡ፡ ኣብ ጉዳያት ኤርትራን ሩዋንዳን ከኣ ከኣ ጥልቕ ብዝበለ መልክዑ፡ ተመራማሪትን ጸሓፊትን ዝኾነት ሚከላ ሮንግ መበል 30 ዓመት ፍጻመ ጃምላዊ ቅትለት ሩዋንዳ ንምዝካር ኣብ ኣውስትራልያ ዑደት ክትገብር ቀንያ። ንሳ 'I didn't do it for you' ዘርእስታ ኤርትራዊ ታሪኽ መግዛእትን ትድህስ ስ መጽሓፍ ዝጸሓፈት'ያ። ኣብ መንጎ’ዚ ዑደታ ምስ ኤስቢኤስ ኣብ'ዚ ኣብ ስቱድዮና ተረኺባ ቃለመሕትት ኣካይዳ ኔራ። ገለ ካብ ጽሟቕ ትሕዝትኡ ክቐርብ’ዩ። (2ይን መወዳእታ ክፋል)
Thu, 16 May 2024 - 11min - 5049 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ግንቦት 2024)
ንሎሚ ሓሙስ 16 ግንቦት 2024 ዘዳለናዮም መደባት፣ ጸብጻባት ዜና፥ * ኣብ ከይዲ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣመልኪቱ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣምባሳደር ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያን ዘትዮም፣ ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ንኣሳታፊ ዘተን ምዕራፍ ጎንጽታትን ጻውዒት ኣቕሪቡ፣ ህወሓትን ብልጽግና ዝኾነ ይኹን ጎንፂ ብሓባር ንምክልኻል ተስማዕሚዖም፣ ኣብ ዶብን ወሰንን ከባቢታት ዝነብር ህዝቢ ትግራይ ኣመልኪቱ ዝተጣየሸ ማሕበር መግለጺ ሂቡ፣ ኣብ ገለ ገጠራት ኤርትራ ፡ ካብ ዒባ ነዳዲ [ሚቴን] ንምፍራይ ፈተነታት ይካየድ ከም ዘሎ ተገሊጹ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ጀርመንን ሆላንድን ንኢትዮጵያ ሓገዝ ኣበርኪተን፣ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ተቓዋሚ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ እስራኤል ንዝተቐትለ ኤርትራዊ ኣመልኪቱ መግለፂ ሓዘን ኣውጺኡ ባጀት ኣውስትራልያ፥ * ሰልፊ ለይበር ንፈለማ ግዜ ኣብ ሰለስተ ዕቑዳት ካልኣይ ተኸታታሊ ትርፊ ኣብ ባጀት ከቕርብ`ዩ። እዚ ባጀት ኣብ መንጎ ዝቕባበ ክቆጻጸር ምፍታንን ዋጋ መነባብሮ ምቅላልን ቀጢን መስመር ሒዙ ይጓዓዝ ኣሎ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ቃለመሕትት፥ * ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ብሓፈሽኡ፡ ኣብ ጉዳያት ኤርትራን ሩዋንዳን ከኣ ከኣ ጥልቕ ብዝበለ መልክዑ፡ ተመራማሪትን ጸሓፊትን ዝኾነት ሚከላ ሮንግ መበል 30 ዓመት ፍጻመ ጃምላዊ ቅትለት ሩዋንዳ ንምዝካር ኣብ ኣውስትራልያ ዑደት ክትገብር ቀንያ። ንሳ 'I didn't do it for you' ዘርእስታ ኤርትራዊ ታሪኽ መግዛእትን ትድህስስ መጽሓፍ ዝጸሓፈት'ያ። ኣብ መንጎ’ዚ ዑደታ ምስ ኤስቢኤስ ኣብ'ዚ ኣብ ስቱድዮና ተረኺባ ቃለመሕትት ኣካይዳ ኔራ። ሶኑይ ዝጀመርናዮ ቀዳማይ ክፋል ጽሟቕ ትሕዝትኡ ሎሚ መወዳእትኡ ክቐርብ’ዩ። ኣውስትራልያን መለለይኣን፥ * ኣብ መወዳእታ The Frontier Wars (ዘ ፍሮንቲየር ዎርስ) ነቶም ብሪጣንያውያን ሰፈርቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝሰፍሩሎምን ዘስፋሕፍሑሎምን ዝነበሩ እዋናት ኣብ መንጎ'ቶም መግዛእታውያን ሰፈርትን ደቀባት ህዝብታትን ንልዕሊ 100 ዓመታት ዝተኻየዱ ጎነጻዊ ተጻብኦታት ዝገልጽ ስም'ዩ። ኣውስትራልያ ተሳታፍነታ ኣብ'ቶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተኻየዱ ኲናታት ክብሪ ትህብ ሃገር እንተኾነት'ኳ እቲ ሎሚ ከም ሃገር ኮይናቶ ዘላ ክትከውን ዝገበራ ቃልስን ኲናትን ግን ክሳብ ሕጂ ኣፍልጦ ኣይሃበቶን ወይ ኣይኣመነትሉን። እዚ ኣብ’ቲ ንኣውስትራልያ ንገልጸሉ መደብ ከነቕርቦ ኢና።
Thu, 16 May 2024 - 54min - 5048 - ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 ግንቦት 2024)
ዜና ካብ ኤስቢኤስ ትግርኛ (ግንቦት 16, 2024) * መራሒ ተቓዋሚ ፌደራል ፒተር ዳተን ናይ’ቲ ዝመርሖ ሰልፊ ጥምረት መልሲ ባጀት ከቕርብ'ዩ፣ * ሒዝቦላህ ኣብ ምዕራብ እስራኤል ከተማ ቲቤርያስ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከምዘካየደ ገሊጹ፣ * ሰኔተር ሰልፊ ለይበር ፋጢማ ፔይማን፡ ንእስራኤል ኣብ ቓዛ ምጽናት ዓሌት ፈጺማ ክትብል ድሕሪ ምኽሳስ ቀዳማይ ሚኒስተርዛ ሃገር ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እስራኤል እገዳ ክገብር ጸዊዓ፣
Thu, 16 May 2024 - 07min - 5047 - ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ጎንጽታት ክዓርፉ ንኹሉ ዘሳትፍ ዘተ ክካየድ ይጽውዕ (ጸብጻባት ዜና)
ጸብጻባት ዜና: * ኩሎም መራሕቲ ትግራይ ኣብ ከይዲ ትግበራ ውዕሊ ፕሪቶርያ ኣመልኪቱ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያን ዘትዮም፣ እቲ ኣምባሳድር ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ንኣሳታፊ ዘተን ምዕራፍ ጎንጽታትን ጻውዒት ኣቕሪቡ፣ * ህወሓትን ብልጽግና ዝኾነ ይኹን ጎንፂ ብሓባር ንምክልኻል ተስማዕሚዖም፣ * ኣብ ዶብን ወሰንን ከባቢታት ዝነብር ህዝቢ ትግራይ ኣመልኪቱ ዝተጣየሸ ማሕበር መግለጺ ሂቡ፣ * ኣብ ገለ ገጠራት ኤርትራ ፡ ካብ ዒባ ነዳዲ [ሚቴን] ንምፍራይ ፈተነታት ይካየድ ከም ዘሎ ተገሊጹ፣ * ሕብረት ኤውሮጳ፣ ጀርመንን ሆላንድን ንኢትዮጵያ ሓገዝ ኣበርኪተን፣ * ኣብ ትግራይ ዝርከብ ተቓዋሚ ውድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣብ እስራኤል ንዝተቐትለ ኤርትራዊ ኣመልኪቱ መግለፂ ሓዘን ኣውጺኡ፣
Thu, 16 May 2024 - 08min - 5046 - ብዙሓት ስድራቤታት ተወሳኺ ሓገዝ ንገዛ ኽራይን ጸዓትን ክረኽባ'የን (ተረባሕቲ ባጀት መንግስቲ መነመን'ዮም፧)
ሰልፊ ለይበር ንፈለማ ግዜ ኣብ ሰለስተ ዕቑዳት ካልኣይ ተኸታታሊ ትርፊ ኣብ ባጀት ከቕርብ`ዩ። እዚ ባጀት ኣብ መንጎ ዝቕባበ ክቆጻጸር ምፍታንን ዋጋ መነባብሮ ምቅላልን ቀጢን መስመር ሒዙ ይጓዓዝ ኣሎ።
Wed, 15 May 2024 - 11min - 5045 - `ዘየቁርጽን ዘይተኣደነን ዋሕዚ መንእሰያት ካብ ኤርትራ ነታ ሃገር ዓቢይ ክሳራ`ዩ` ጸሓፊትን ተጣባቒትን ሚከላ ሮንግ (1ይ ክፋል ትርጉም)
ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ብሓፈሽኡ፡ ኣብ ጉዳያት ኤርትራን ሩዋንዳን ከኣ ከኣ ጥልቕ ብዝበለ መልክዑ፡ ተመራማሪትን ጸሓፊትን ዝኾነት ሚከላ ሮንግ መበል 30 ዓመት ፍጻመ ጃምላዊ ቅትለት ሩዋንዳ ንምዝካር ኣብ ኣውስትራልያ ዑደት ክትገብር ቀንያ። ንሳ 'I didn't do it for you' ዘርእስታ ኤርትራዊ ታሪኽ መግዛእትን ትድህስ ስ መጽሓፍ ዝጸሓፈት'ያ። ኣብ መንጎ’ዚ ዑደታ ምስ ኤስቢኤስ ኣብ'ዚ ኣብ ስቱድዮና ተረኺባ ቃለመሕትት ኣካይዳ ኔራ። ገለ ካብ ጽሟቕ ትሕዝትኡ ክቐርብ’ዩ። (1ይ ክፋል)
Wed, 15 May 2024 - 09min - 5044 - What were the Australian Wars and why is history not acknowledged? - ታሪኽ ኣውስትራልያ ንምንታይ`ዩ ነቶም ዝሓለፉ ውግኣት ደቀባት ኣንጻር ገዛእቶም ኣፍልጦ ዘይሃቦም፧
The Frontier Wars is a term often used to describe the more than 100 years of violent conflicts between colonial settlers and the Indigenous peoples that occurred during the British settlement of Australia. Even though Australia honours its involvement in wars fought overseas, it is yet to acknowledge the struggle that made it the country it is today. - The Frontier Wars (ዘ ፍሮንቲየር ዎርስ) ነቶም ብሪጣንያውያን ሰፈርቲ ኣብ ኣውስትራልያ ዝሰፍሩሎምን ዘስፋሕፍሑሎምን ዝነበሩ እዋናት ኣብ መንጎ'ቶም መግዛእታውያን ሰፈርትን ደቀባት ህዝብታትን ንልዕሊ 100 ዓመታት ዝተኻየዱ ጎነጻዊ ተጻብኦታት ዝገልጽ ስም'ዩ። ኣውስትራልያ ተሳታፍነታ ኣብ'ቶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝተኻየዱ ውግኣት ክብሪ ትህብ ሃገር እንተኾነት'ኳ እቲ ሎሚ ከም ሃገር ኮይናቶ ዘላ ክትከውን ዝገበራ ቃልስን ኲናትን ግን ክሳብ ሕጂ ኣፍልጦ ኣይሃበቶን ወይ ኣይኣመነትሉን።
Tue, 14 May 2024 - 14min - 5043 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ግንቦት 2024)
ሰላም ዝኸበርኩም ሰማዕትና። ካብ’ዚ ካብ ስቱዲዮ SBS መልበን፡ Australia፡ ንሎሚ ሶኑይ 13 ግንቦት 2024 ዘዳለናዮም መደባት ሒዝና ቀሪብና’ለና። * ኢትዮጵያ ሕብረት ኣውሮጳ ንዘንበሮ እገዳ ቪዛ ብምቅዋም ተመጣጣኒ ስጉምቲ ከም ትወስድ ኣፍሊጣ፣ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ጥዕና ብቝሊ “ጥዕና ብቝሊ፡ ብውሑስ ንግድን ምዕቡል ቴክኖሎጅን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ንሳልሳይ ግዜ ኣብ ዓለምን ኤርትራን ተዘኪሩ ውዒሉ ተባሂሉ፣ ሓይልታት ኣምሓራ ሕዚ’ውን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ገበናት ካብ ምፍጻም ከምዘይተዓቀቡ ሁዩማን ራይጽ ዎች ኣቃሊዑ፣ ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ብዕጡቓት ተፈጺሙ ኣብ ዝተባህለ መጥቃዕቲ 5000 ተመዛቢሎም ዝብሉን ካልኦትን ንሎሚ ንጽብጽቦም ዜናታት’ዮም። * ኣውስትራልያ ፍልስጤም ምሉእ ኣባል ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ክትከውን ኣድሚጻ። ኣውስትራልያ ሓንቲ ካብ’ተን ነቲ ውሳነ ደጊፈን ዘድመጻ 143 ሃገራት’ያ። እንተኾነ ግን ፈደራል ተቓዋሚ ሰልፊ ነዚ ድምጺ መንግስቲ ግዚኡ ዘይኣኸለ’ዩ ክብል ገሊጽዎ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። * ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ብሓፈሽኡ፡ ኣብ ጉዳያት ኤርትራን ሩዋንዳን ከኣ ከኣ ጥልቕ ብዝበለ መልክዑ፡ ተመራማሪትን ጸሓፊትን ዝኾነት ሚከላ ሮንግ መበል 30 ዓመት ፍጻመ ጃምላዊ ቅትለት ሩዋንዳ ንምዝካር ኣብ ኣውስትራልያ ዑደት ክትገብር ቀንያ። ንሳ 'I didn't do it for you' ዘርእስታ ኤርትራዊ ታሪኽ መግዛእትን ትድህስ ስ መጽሓፍ ዝጸሓፈት'ያ። ኣብ መንጎ’ዚ ዑደታ ምስ ኤስቢኤስ ኣብ'ዚ ኣብ ስቱድዮና ተረኺባ ቃለመሕትት ኣካይዳ ኔራ። ገለ ካብ ጽሟቕ ትሕዝትኡ ክቐርብ’ዩ። * ኣብ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኣብ ዶሓ ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ኣልማዛዊ ሊግ ዋንዳ ኢትዮጵያውያን ሳሙኤል ፍሬውን ፍረወይኒ ሃይሉን ተዓዊቶም፣ ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ኢጣልያ ኣብ ራብዓይ መድረኽ ድሕሪ ዘጋጠሞ መውደቕቲ ካብ ቅድድም ኣቋሪጹ፣ መጉዳእቱ ግን ፈኲስ ከምዝኾነን ኣብ ቀረባ ግዜ ክምለስ ምዃኑን ገሊጹ፣ ፈረንሳዊ ኣጥቃዓይ ኪልያን ምባፐ ኣብ ምዝዛም ናይ’ዚ ወቕቲ ካብ ጋንትኡ ፓሪስ ሰይንት ዠርማን ክለቅቕ ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ማንቸስተር ሲቲ ንፉልሃም 4-0 ብቐሊሉ ድሕሪ ምስዓራ ጽዋዕ ፕሪምየር ሊግ ናይ ምዕታር ዕድላ ርግጽ እናኾነ ይኸይድ፣ መሪሕነት ግን ሕጂ’ውን ኣርሰናል ሒዛቶ’ላ ዝብሉ ንዝርዝሮም ኣርእስታትና’ዮም። ሰናይ ምክትታል!
Mon, 13 May 2024 - 49min - 5042 - ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (13 ግንቦት 2024)
ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ * ተሓዝ ሕሳብ መንግስቲ ትሬዠረር ጂም ቻልመርስ ኣውስትራልያውያን ኣብ’ቲ ንሱ ሰሉስ ዘቕርቦ ፈደራል ባጀት መቃለሊ ዋጋ መነባብሮ ክህሉ ትጽቢት ክገብሩ ይኽእሉ ይብል * ፍልስጤማውያን ሰብመዚ ጥዕና እስራኤል 19 ሰባት ዝቐተለን ደርዘናት ዘቑሰለን ከቢድ ደብዳብ መጥቃዕቲ ኣየርን መሬትን ድሕሪ ምክያዳ ናብ ሰሜናዊ ወሽመጥ ቓዛ ታንክታት ልኢካ ይብሉ * ኢትዮጵያ ሕብረት ኣውሮጳ ንዘንበሮ እገዳ ቪዛ ብምቅዋም ተመጣጣኒ ስጉምቲ ከም ትወስድ
Mon, 13 May 2024 - 09min - 5041 - ኢትዮጵያ ሕብረት ኣውሮጳ ንዘንበሮ እገዳ ቪዛ ብምቅዋም ተመጣጣኒ ስጉምቲ ከም ትወስድ ኣፍሊጣ
ሎሚ ንጽብጽቦም ዜናታት: * ኢትዮጵያ ሕብረት ኣውሮጳ ንዘንበሮ እገዳ ቪዛ ብምቅዋም ተመጣጣኒ ስጉምቲ ከም ትወስድ ኣፍሊጣ፣ * ዓለምለኻዊ መዓልቲ ጥዕና ብቝሊ “ጥዕና ብቝሊ፡ ብውሑስ ንግድን ምዕቡል ቴክኖሎጅን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ንሳልሳይ ግዜ ኣብ ዓለምን ኤርትራን ተዘኪሩ ውዒሉ ተባሂሉ፣ * ሓይልታት ኣምሓራ ሕዚ’ውን ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ገበናት ካብ ምፍጻም ከምዘይተዓቀቡ ሁዩማን ራይትስ ዎች ኣቃሊዑ፣ * ኣብ ቤንሻንጉል ጉምዝ ብዕጡቓት ተፈጺሙ ኣብ ዝተባህለ መጥቃዕቲ 5000 ተመዛቢሎም፣
Mon, 13 May 2024 - 06min - 5040 - ቢንያም ግርማይ መጉዳእቱ ደሓን ስለዝኾነ ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ ቅድድም ክምለስ'ዩ፣ ሳሙኤል ፍሬው ኣብ ዶሓ ተዓዊቱ፣
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (13/05/2024) * ኣብ ዶሓ ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ኣልማዛዊ ሊግ ዋንዳ ኢትዮጵያውያን ሳሙኤል ፍሬውን ፍረወይኒ ሃይሉን ተዓዊቶም፣ * ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ኢጣልያ ኣብ ራብዓይ መድረኽ ድሕሪ ዘጋጠሞ መውደቕቲ ካብ ቅድድም ኣቋሪጹ፣ መጉዳእቱ ግን ፈኲስ ከምዝኾነን ኣብ ቀረባ ግዜ ክምለስ ምዃኑን ገሊጹ፣ ኣማኑኤል ገ/ሄርን ሄኖክ ምሉእብርሃንን ተሳትፎኦም ይቕጽሉ፣ * ፈረንሳዊ ኣጥቃዓይ ኪልያን ምባፐ ኣብ ምዝዛም ናይ’ዚ ወቕቲ ካብ ጋንትኡ ፓሪስ ሰይንት ዠርማን ክለቅቕ ምዃኑ ኣፍሊጡ፣ * ኣብ ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ማንቸስተር ሲቲ ንፉልሃም 4-0 ብቐሊሉ ድሕሪ ምስዓራ ጽዋዕ ፕሪምየር ሊግ ናይ ምዕታር ዕድላ ርግጽ እናኾነ ይኸይድ፣ መሪሕነት ግን ሕጂ’ውን ኣርሰናል ሒዛቶ፣
Mon, 13 May 2024 - 10min - 5039 - ኣውስትራልያ ፍልስጤም ምሉእ ኣባል ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ክትከውን ኣድሚጻ
ኣውስትራልያ ፍልስጤም ምሉእ ኣባል ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ክትከውን ኣድሚጻ። ኣውስትራልያ ሓንቲ ካብ’ተን ነቲ ውሳነ ደጊፈን ዘድመጻ 143 ሃገራት’ያ። እንተኾነ ግን ፈደራል ተቓዋሚ ሰልፊ ነዚ ድምጺ መንግስቲ ግዚኡ ዘይኣኸለ’ዩ ክብል ገሊጽዎ።
Mon, 13 May 2024 - 09min - 5038 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (12 ግንቦት 2024)
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ * እስራኤል ወራራ ኣብ ልዕሊ ራፋሕ ኣብ ዝቐጸለትሉ ተወሳኺ ምውጻእ ፍልስጤማውያን ትእዝዝ፣ * ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ኣብ ግዝኣት ወስተርን ኣውስትራልያ ን1300 ሰባት ብዘይመብራህቲ ኣትሪፍዎም፡ * ሰበስልጣን ሩስያ ሓይልታቶም ሓሙሽተ ቁሸታት ኣብ ዞባ ኻርኪቭ ናይ ዩክረይን ከምዝተቖጻጸሩ ገሊጾም፡ * ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ምቅይያራት ክሊማ ዝፈጠርዎም ምዕልቕላቓት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ልዕሊ 600 ሽሕ ሰባት ክፈናቐሉ ገይሮም ይብል።
Sun, 12 May 2024 - 06min - 5037 - MiniPod: Kookaburra song | Pronunciation practice with Janice - ሓጻር ፖድካስት: Kookaburra song (ደርፊ/መዝሙር ኩኮባራ) | ምልምማድ ኣደማምጻ ቃላት ህብብቲ ጋዜጠኛ ምስ ጃኒስ ፒተርሰን
In this five-minute lesson you’ll improve your pronunciation by listening and following along with Janice Petersen. Learning objectives: Can pronounce /k/ and /g/. - ኣብ'ዚ ናይ ሓሙሽተ ደቒቕ ኣስተምህሮ ንህብብቲ ጋዜጠኛ ቴሌቪዥን ኤስቢኤስ ጃኒስ ፒተርሰን ብምስማዕን ብምኽታልን ኣደማምጻና ከነመሓይሽ ንኽእል። ዕላማታት ናይ ሎሚ ኣስተምህሮ፣ ከመይ ጌርና ን ኬይ /k/ ን ጂ /g/ ን ፈላሊና ነድምጾም፣
Fri, 10 May 2024 - 06min - 5036 - MiniPod: If a dog chews shoes | Pronunciation practice with Janice - ሓጻር ፖድካስት: If a dog chews a shoe (ከልቢ ሳእኒ እንተነኺሱ) | ምልምማድ ኣደማምጻ ቃላት ምስ ህብብቲ ጋዜጠኛ ጃኒስ ፒተርሰን
In this five-minute lesson you’ll improve your pronunciation by listening and following along with Janice Petersen. Learning objectives: Can pronounce /tʃ / and /ʃ/ (ch and sh). - ኣብ'ዚ ናይ ሓሙሽተ ደቒቕ ኣስተምህሮ ንህብብቲ ጋዜጠኛ ቴሌቪዥን ኤስቢኤስ ጃኒስ ፒተርሰን ብምስማዕን ብምኽታልን ኣደማምጻና ከነመሓይሽ ንኽእል። ዕላማታት ናይ ሎሚ ኣስተምህሮ፣ ከመይ ጌርና ን ች /tʃ / ከምኡ'ውን ሽ /ʃ/ ን ወይ (ch and sh) ፈላሊና ነድምጾም፣
Fri, 10 May 2024 - 05min - 5035 - ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ግንቦት 2024)
ኣርእስታት ዜና፥ ሰራዊት እስራኤል ኣብቲ ምስ U-S ዘለዎ ዝምድና ሓርፊፉ ይርከብ ዝብል ትሒምትሒም ከዋድቖ ፈቲኑ። ፖለቲከኛታት ፡ ኣብ ምዕራባዊ ሲድኒ ዝርከብ ባይቶ ናይ ሓደ ካውንስል፡ ናይ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም ወለዲ ትሕዝቶ ዘለዎም መጻሕፍቲ ምእጋዱ ኮኑኖም ። ዳግመ ህንጸት ታሪኻዊ መስጊድ ኣልነጃሺ ንምስላጥ ዝዓለመ ዋዕላ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።
Thu, 09 May 2024 - 15min - 5034 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ግንቦት 2024)
ንሎሚ ሓሙስ 9 ግንቦት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣመንቲ ክርስትና ብፍላይ ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን፡ ጾመ ኣርብዓን ሓማማትን ክጾሙ ድሕሪ ምውራሕ ኣብዚ ቕነ በዓል ትንሳኤ የብዕሉ ኣለዉ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዋና ጸሓፊ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ቆሞስ ገብረሚካኤል ዮሃንስ ዝሃብዎ መልእኽቲ’ዩ ።ከነቕርቦ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኤርትራ ሓዱሽ መግለጺ ዘርጊሑ ኣሎ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሚልዮናት ነበርቲ ብሓደጋ ውሕጅ ኣንጸላልዩዎም ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ሰራዊት እስራኤል ኣብቲ ምስ U-S ዘለዎ ዝምድና ሓርፊፉ ይርከብ ዝብል ትሒምትሒም ከዋድቖ ፈቲኑ። ፖለቲከኛታት ፡ ኣብ ምዕራባዊ ሲድኒ ዝርከብ ባይቶ ናይ ሓደ ካውንስል፡ ናይ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም ወለዲ ትሕዝቶ ዘለዎም መጻሕፍቲ ምእጋዱ ኮኑኖም ። ዳግመ ህንጸት ታሪኻዊ መስጊድ ኣልነጃሺ ንምስላጥ ዝዓለመ ዋዕላ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።
Thu, 09 May 2024 - 54min - 5033 - መንግስቲ ኤርትራ ሓዱሽ መግለጺ ዘርጊሑ። ጸብጻብ)
መንግስቲ ኤርትራ ሓዱሽ መግለጺ ዘርጊሑ ኣሎ። ዳግመ ህንፀት ታሪኻዊ መስጊድ ኣልነጃሺ ንምስላጥ ዝዓለመ ዋዕላ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሚልዮናት ነበርቲ ብሓደጋ ውሕጅ ኣንጸላልዩዎም
Thu, 09 May 2024 - 06min - 5032 - MiniPod: I scream, you scream... | Pronunciation practice with Janice - ሓጻር ፖድካስት: I scream, you scream... (ኣነ ይጭድር፣ ንስኹም ትጭድሩ...) | ምልምማድ ኣደማምጻ ቃላት ምስ ህብብቲ ጋዜጠኛ ጃኒስ ፒተርሰን
In this five-minute lesson you’ll improve your pronunciation by listening and following along with Janice Petersen. Learning objectives: Can pronounce /iː/ and /aɪ/ (sheep and eye) - ኣብ'ዚ ናይ ሓሙሽተ ደቒቕ ኣስተምህሮ ንህብብቲ ጋዜጠኛ ቴሌቪዥን ኤስቢኤስ ጃኒስ ፒተርሰን ብምስማዕን ብምኽታልን ኣደማምጻና ከነመሓይሽ ንኽእል። ዕላማታት ናይ ሎሚ ኣስተምህሮ፣ ከመይ ጌርና ን I (ኣይ) (ንኣብነት በጊዕ 'ሺፕ' ክንብል እንከለና) ን aɪ (ኤኣይን) (ንኣብነት ዓይኒ 'ኣይ' ክንብል እንከለና) ፈላሊና ነድምጾም፣
Wed, 08 May 2024 - 06min - 5031 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ግንቦት 2024)
ኣብ ምዕራባዊ ሲድኒ ዝርከብ ካውንስል ፡ ብዛዕባ ሓደ ጾታ ዘለዎም ወለዲ ዝምልከት ትሕዝቶ ዘለዎ መጽሓፍ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከብ ኣብያተ መጻሕፍቲ ኣጊዱ። በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ (ECTA) ካብ 8 ሓምለ 2023 ዝጀመረ ናይ ሎሚ በጀት ዓመት ኣብ ቀዳሞት ትሽዓተ ኣዋርሕ ብሰደድ ናይ 835.2 ሚሊዮን ዶላር ኣታዊ ገይሩ። ሰራዊት እስራኤል ንኣፍደገ ራፋሕ ቓዛ ከምዝተቖጻጸረ ኣፍሊጡ።
Wed, 08 May 2024 - 06min - 5030 - ምምእራር ቓንጥሻ (ማሽሩም) ኣብ ኣውስትራሊያ ዉሑስ ድዩ፧ ብኸመይ፧
ኣብ ብዙሕ ክፋላት ዓለም ቃንጥሻ ዕሶ ወይ ማሽሩም ፍቱው እዩ ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣውስትራሊያ ዝኣተው ስደተኛታት ግን እቲ ኣብዚ ሃገር ዝቕንጠስ ናይ በረኻ ማሽሩም ሓደገኛ ምዃኑ ኣይፈልጡን ይዀኑ ። ንሓደጋ ዘቃልዑ እተፈላለየ ዓይነት ጐዳእቲ ማሽሩም ከይፈለጥካ ምምእራር ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን ይኽእል እዩ ፣ ምኽንያቱ ገለ ፋንጋስ እንተ ተበሊዖም መርዛማት ወይ ቀተልቲ ክኾኑ ይኽእሉ እዩም ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ፤ ኣብ ኣውስትራሊያ ምምእራር ቃንጥሻ ወይ ማሽሩም ድሕነት ዝሕሉን ዝፍቀድን ምዃኑን ብኸመይ ከም ዝርከብን ክንርእይ ኢና።
Wed, 08 May 2024 - 10min - 5029 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (07 ግንቦት 2024)
ንሎሚ 7 ግንቦት 2024 ዝሓዝናዮም ዜናታት: ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ነቲ ምስ ሓማስ ዝግበር ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ድሕሪ ምንጻጉ ፡ ኣብ ደቡባዊ ዞባ ጋዛ ተቐማጦ ራፋ ምላሽ ሂቦም ። ማሕበረሰብ እስላም ምዕራብ ኣውስትራሊያ ምኽፋእ ስም ንምውጋድ ምስ ጥዕና ኣእምሮ ዝተሓሓዝን ንክንክን ዝኸውን ገንዘብ ንምምዳብን ተወሳኺ ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዖም ። ሓይልታት ህጹጽ ውሃብ ድጋፍ ሱዳን፡ ሰራዊት ህወሓት ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሱዳን ኮይኖም ይወግኡኒ ኣለዉ ንዝበሎ ክሲ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነጺግዎ።
Tue, 07 May 2024 - 05min - 5028 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ግንቦት 2024)
ንሎሚ ሓሙስ 06 ግንቦት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ንኹሎ በዓል ትንሳኤ ተኽብሩ ዘለኹም ኣመንቲ ክርስትና እንቋዕ ጾመ ልጓም ፈትሓልኩም። ምስ ሰሙን ሕማማት ኣመልኪትና ኣብ ቤተ ክርስትያን ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም መልበርን ምስ ሓላፊ ስብከተ ወንጌል መጋቤ ሃዲስ ብሩክ ተስፋይ ዝገበርናዮ ጻንሒት ካል ኣይ ክፋሉ ፡ ድሕሪ ዜና ኣብ ናይ ቃለ መህትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ብዘይካዚ ማሰን መልቀስን ከነቕርብ ኢና። ሉኡኽልና ዝሰደደልና ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ሓሙሽተ ኣገልገልቲ ከም ዝተኣሰሩዋ ኣፍሊጣ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤምባሲታት 18 ሃገራት፡ ዘይፍትሓዊ መገዲ ዝተኣስሩ ጋዜጣታት ክፍቴሑ ጸዊዖም። ብተዛማዲ ሓበሬታ ኤርትራ ኣብ ዓመታዊ መስርዕ ዶብ-ኣልቦ ጋዜጠኛታት ዝተሓተ መስርዕ ተሰሪዓ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትውን ኣብ ሰዓቱ ክቐርብ እዩ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ንዕድመኩም። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኣውስትራልያን ኣብ መላእ ዓለምን ዝርከቡ ማሕበረሰብ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ክርስትያን በዓል ትንሳኤ ሰንበት 5 ግንቦት ኣብዒሎም። ፖሊስ እስራኤል ነቲ ኣልጀዚራ ከም ቤት ጽሕፈቱ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣብ ሓደ ሆቴል ዝርከብ ክፍሊ ወሪሩ ዓጽይዎ። ኣብ ትግራይ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ናብ ንቡር ይምለስ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።
Mon, 06 May 2024 - 50min - 5027 - ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ግንቦት 2024)
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኣውስትራልያን ኣብ መላእ ዓለምን ዝርከቡ ማሕበረሰብ ኣመንቲ ኦርቶዶክስ ክርስትያን በዓል ትንሳኤ ሰንበት 5 ግንቦት ኣብዒሎም። ፖሊስ እስራኤል ነቲ ኣልጀዚራ ከም ቤት ጽሕፈቱ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ኣብ ሓደ ሆቴል ዝርከብ ክፍሊ ወሪሩ ዓጽይዎ። ኣብ ትግራይ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ናብ ንቡር ይምለስ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።
Mon, 06 May 2024 - 14min - 5026 - ቢንያም ግርማይ፣ ኣማኑኤል ገብረእግዚኣብሄርን ሄኖክ ምሉእብርሃንን ኣብ ጂሮ ድ'ኢታልያ እንኮ ወከልቲ ኣፍሪቃ ኮይኖም፣ ቀነኒሳ በቀለ ንኦሎምፒክስ ፓሪስ ተመሪጹ፣
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (06/05/2024) * ኣብ ጀነቫ፣ ስዊዘርላንድ፣ ኣብ ዝተኻየደ መበል 18 ውድድር ማራቶን ጀነቫ ኤርትራዊ ክብሮም ወልደሚካኤል ተዓዊቱ፣ * ኢትዮጵያዊያን ለሚ ብርሃኑ ሃይለን በዳቱ ሂርፓ ባዳነን ኣብ ማራቶን ፕራግ ተዓዊቶም፣ * ቀነኒሳ በቀለን ሲሳይ ለማን ዝርከብዎም ንኢትዮጵያ ወኪሎም ኣብ ማራቶን ኣብ ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ዝሳተፉ ሽዱሽተ ኣትሌታት ተመሪጾም፣ * ሸውዓተ ኣትሌታት ንጋንታ ኦሎምፒክስ ስደተኛታት ኣብ ውድድራት ኣትከቲክስ ኣብ ግጥማት ኦሎምፒክስ ፓሪስ 2024 ክሳተፉ ተመሪጾም፣ * ቅድድም ብሽግለታ ዙር ቤኒን ብዓወት ኤርትራዊ ኣባል ጋንታ ባይክ ኤይድ ኣብ ምድብ ነጥቢ ተዛዚሙ፣ * ኣብ ቅ/ብ ጂሮ ድ’ኢታልያ ኸኣ ቢንያም ግርማይ፣ ኣማኑኤል ገ/ሄርን ሄኖክ ምሉእብርሃንን ንኣፍሪቃ ወኪሎም ይሳተፉ’ለዉ፣ * ኣብ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ማንቸስር ሲቲ ደድሕሪ ኣርሰናል ዓወት ምምዝጋባ ሻምፒዮን ናይ ምዃን ዕድላ ዝያዳ ተስፍሕ፣
Mon, 06 May 2024 - 10min - 5025 - ኤርትራ ኣብ ዓመታዊ መስርዕ ዶብ-ኣልቦ ጋዜጠኛታት ዝተሓተ ተርታ ተሰሪዓ።
ሉኡኽልና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ናብ ንቡር ይምለስ ከም ዘሎ ተሓቢሩ። ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ሓሙሽተ ኣገልገልቲ ከም ዝተኣሰሩዋ ኣፍሊጣ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤምባሲታት 18 ሃገራት፡ ዘይፍትሓዊ መገዲ ዝተኣስሩ ጋዜጣታት ክፍቴሑ ጸዊዖም።
Mon, 06 May 2024 - 06min - 5024 - "ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ንዝበደሉና'ውን ይቕረ ክንብል'ዩ ዝገብረና።" ቆሞስ ገብረሚካኤል ዮሃንስ
ኣመንቲ ክርስትና ብፍላይ ድማ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን፡ ጾመ ኣርብዓን ሓማማትን ክጾሙ ድሕሪ ምውራሕ ሎሚ በዓል ትንሳኤ የብዕሉ ኣለዉ። ነዚ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ዋና ጸሓፊ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ቆሞስ ገብረሚካኤል ዮሃንስ ዝሃብዎ መልእኽቲ።
Sun, 05 May 2024 - 16min - 5023 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ግንቦት 2024)
ንሎሚ ሓሙስ 02 ሚያዝያ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ብምኽንያት እዚ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ዝጸምዎ ዘለዉ ሰሙን ሕማማት ኣመልኪትና ኣብ ቤተ ክርስትያን ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም መልበርን ምስ ሓላፊ ስብከተ ወንጌል መጋቤ ሃዲስ ብሩክ ተስፋይ ዝገበርናዮ ጻንሒት ፡ ድሕሪ ዜና ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ናይ ብሕቲ ኢንሹራንስ ጥዕና የዋጽእ ዶ፧ ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ከነቕርብ ኢና። ሉኡኽልና ዝሰደደልና ብዛዕባ ጉዳይ ደቡብ ትግራይን ጸለምትን ክሳብ መወዳእታ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ግንቦት ክውዳእ፣ ምዕራብ ትግራይ ድማ ክሳብ መወዳእታ ሰነ 2016 ክፍጸም ምዃኑ ተገሊጹ። ዝብል እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣውስትራልያ ኣብ 2020 ክልተ ህንዳውያን ሰለይቲ ካብታ ሃገር ከም ዝወጹ ምስ ተፈልጠ ፡ ኣውስትራሊያ ብናይ ወጻኢ ሃገራት ዝግበር ምትእትታው ኣብ ስግኣት ከም ዘላ መራሒ ሰልፊ ተቓዋሚ ገሊጹ። ዋና ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ፡ እቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያን ናይ ምፍታሕ መስርሕ ፡ ቀዳምነት ከም ዝህቦ ገሊጹ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ክልተ ሰበስልጣን መንግስቲ ዝርከብዎም ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም።
Thu, 02 May 2024 - 57min - 5022 - ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ግንቦት 2024)
ኣርእስታት ዜና፥ ኣውስትራልያ ኣብ 2020 ክልተ ህንዳውያን ሰለይቲ ካብታ ሃገር ከም ዝወጹ ምስ ተፈልጠ ፡ ኣውስትራሊያ ብናይ ወጻኢ ሃገራት ዝግበር ምትእትታው ኣብ ስግኣት ከም ዘላ መራሒ ሰልፊ ተቓዋሚ ገሊጹ። ዋና ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ፡ እቶም ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያን ናይ ምፍታሕ መስርሕ ፡ ቀዳምነት ከም ዝህቦ ገሊጹ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ክልተ ሰበስልጣን መንግስቲ ዝርከብዎም ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም።
Thu, 02 May 2024 - 14min - 5021 - ጉዳይ ደ/ትግራይን ጸለምትን ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ክውዳእ፣ ም/ትግራይ ድማ ክሳብ ሰነ 2016 ክፍጸም ምዃኑ ተገሊጹ። (ጸብጻብ)
ኢትዮጵያ ሕብረት ኣውሮጳ ንዘንበሮ እገዳ ቪዛ ተቓዊማ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ክልተ ሰበስልጣን መንግስቲ ዝርከብዎም ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም። ጉዳይ ደቡብ ትግራይን ጸለምትን ክሳብ መወዳእታ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ግንቦት ክውዳእ፣ ምዕራብ ትግራይ ድማ ክሳብ መወዳእታ ሰነ 2016 ክፍጸም ምዃኑ ተገሊጹ። ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ካዝናኡ ሽዱሽተ ሚልዮን ዶላር ንጉሓል ዝተገበረ ፈተነ ከም ዘፍሸሎ ኣፍሊጡ።ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና፡
Thu, 02 May 2024 - 06min - 5020 - መዓልታት ሕማማትን ተግባራትን ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ምስ መጋቤ ሃዲስ ብሩክ ተስፋይ።
መጋቢ ሓዲስ ብሩክ ተስፋይ ኣብ ሜልበርን ዝርከብ ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተክርስቲያን ሓላፊ ስብከተ ወንጌል እዮም። ብኣመንቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስቲያን ሰሙን ሕማማት ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ጸሎትን ስግደትን መዓልታት ዝምልከት ትርጉምን ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝፍጸሙ ስርዓታትን ገሊጾም ኣለዉ።
Wed, 01 May 2024 - 24min - 5019 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ግንቦት 2024)
ንሎሚ 1 ግንቦት 2024 ዝተዳለዉ ኣርእስታት ሓጸርቲ ዜናታት ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ፡ እስራኤል ንራፋ ከይትወርራ ኣጠንቂቑ። ነቶም ብምኽንያት ስድራቤታዊ ዓመጽ ካብ ገዛኦም ዝወጹ ንምሕጋዝ፡ ፈደራል መንግስቲ ናይ ብዓመጽ ዝወጹ ፕሮግራም ከቕውም እዩ። ኣብ ኬንያ ብዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናብን ውሕጅን ኣስታት 170 ሰባት ሞይቶም።
Wed, 01 May 2024 - 04min - 5018 - ናይ ብሕቲ ኢንሹራንስ ጥዕና የዋጽእ ዶ፧ (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)
ኣውስትራሊያውያን ጽፉፍን ብቑዕን ዝኾነ ኣገልግሎት ህዝባዊ ሓለዋ ጥዕና ብምርካብ ካብ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ካብ ዘለዉ ህዝብታት ዉሑዳት ዕድለኛታት ዝኾኑ እዮም ። ብተወሳኺ ናይ ግሊ ሓለዋ ጥዕና ውሕስና ኢንሹራንስ ምኽፋል መማረጺ ኣሎ ፤ እዚ ኣማራጺ ናብ ሆስፒታላትን ክኢላታትን ከይድካ ኣገልገሎት ንምርካብ ዝሓጸረ ናይ ምጽባይ ዕድልን ኣማራጽታትን ዝህበካ እዩ ። 55 ካብ ሚእቲ ኣውስትራሊያውያን ናብ ምዉል ክንክን ጥዕና ወይ health fund, ክጽንበሩ ይመርጹ ፤ እዚ ምስ ኩነታትካ ዝሰማማዕ እንተ ኾይኑ ኣብ ግምት ክኣቱ ጠቓሚ እዩ ።
Wed, 01 May 2024 - 10min - 5017 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 ሚያዝያ 2024)
ንሎሚ 30 ሚያዝያ 2024 ዝተዳለዉ ኣርእስታት ሓጸርቲ ዜናታት ኣብ ኣውስትራሊያ ቁጽሪ ብምጻምደን ዝቕተላ ኣንስትዮ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዛይዱ። ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ሰብኣዊ ረድኤት፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ዝህቦ ረድኤት ከምዘቋረጸ ኣፍሊጡ። ራፋኤል ናዳል ኣብ ራብዓይ መድረኽ ዙር ማድሪድ ን ኣርጀንቲናዊ ፔድሮ ካኪን ስዒርዎ ።
Tue, 30 Apr 2024 - 06min - 5016 - "In the history of Eritrea; People didn’t do for Eritreans." Michela Wrong
During her trip to Australia, Michela Wrong, a respected author known for her perceptive analyses of African countries such as Eritrea and Rwanda, engaged in a discussion with SBS Tigrinya. She illuminated the themes explored in her book "I Didn't Do It for You," particularly delving into the complex political environment of Eritrea. Additionally, she highlighted the burgeoning presence of young Eritrean movements dedicated to instigating transformation within the nation.
Tue, 30 Apr 2024 - 15min - 5015 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ሚያዝያ 2024)
ንሎሚ ሰኑይ 29 ሚያዝያ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ደቡብ ኣፍሪቃ ፡ ካብቲ ኵሎም ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድምጾም ዚህቡሉ ዝጀመሩ ናይ ፈለማ ደሞክራስያዊ ምርጫ ፡ መበል 30 ዓመት ትጽምበል ኣላ ። እታ ሃገር ካልእ ምርጫ ንምግባር ኣብ ትሸባሸበሉ ዘላ እዋን ግን ብዙሓት ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድራር ዕለቶም ንምርካብ ኣብ ዝጽገምሉ ኩነታት እዮም ዝርከቡ። ነዚ ዝምልከት ሃጺር ጸብጻብ ኣለና ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ሕብረት ኣፍሪቃ መግለጺኡ ክእርም ዝጠልብ መግለጺ ኣውጺኦም። ኣብ ዶብ ፖላንድን ቤላሩስን በይና ዝሓረሰት ሓንቲ ኤርትራዊ ስደተኛ መንግስቲ ፖላንድ ካብ ዶብ ከም ዘይመለሳ ገሊፁ። ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና ክቐርብ እዩ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ተዅሲ ደው ክብልን ረድኤት ከይተዓግተ ኽቐርብን ዝሃትት ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ክግበር ቀንዩ ። ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣውስትራሊያዊያን ብጾታዊ ጎነጽ ንዝፍጠር ዘሎ መጥቃዕቲ ብምቅዋም ናብ ጎደናታት ወጺኦም ዊዒሎም ። ኣብ ኣብ ኣብያተማእሰርቲ ካብ ዝጸንሑ ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ልዕሊ 15 ሽሕ ንዓዶም ተመሊሶም። ሓዲሽ ፈጻሚ ጉዳያት ኢምባሲ ብርጣኒያ ኣብ ኤርትራ ፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ተራኺቡ፡
Mon, 29 Apr 2024 - 53min - 5014 - ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ሚያዝያ 2024)
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ወሽመጥ ጋዛ ተዅሲ ደው ክብልን ረድኤት ከይተዓግተ ኽቐርብን ዝሃትት ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ክግበር ቀንዩ ። ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣውስትራሊያዊያን ብጾታዊ ጎነጽ ንዝፍጠር ዘሎ መጥቃዕቲ ብምቅዋም ናብ ጎደናታት ወጺኦም ዊዒሎም ። ኣብ ኣብ ኣብያተማእሰርቲ ካብ ዝጸንሑ ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ልዕሊ 15 ሽሕ ንዓዶም ተመሊሶም። ሓዲሽ ፈጻሚ ጉዳያት ኢምባሲ ብርጣኒያ ኣብ ኤርትራ ፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ተራኺቡ፡
Mon, 29 Apr 2024 - 15min - 5013 - ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ሕብረት ኣፍሪቃ መግለጺኡ ክእርም ዝጠልብ መግለጺ ኣውጺኦም። (ጸብጻብ)
ኣብ ኣብ ኣብያተማእሰርቲ ካብ ዝጸንሑ ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ልዕሊ 15 ሽሕ ንዓዶም ተመሊሶም። ሓዲሽ ፈጻሚ ጉዳያት ኢምባሲ ብርጣኒያ ኣብ ኤርትራ ፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ተራኺቡ፡ ተቓወምቲ ውድባት ትግራይ ሕብረት ኣፍሪቃ መግለጺኡ ክእርም ዝጠልብ መግለጺ ኣውጺኦም። ኣብ ዶብ ፖላንድን ቤላሩስን በይና ዝሓረሰት ሓንቲ ኤርትራዊ ስደተኛ መንግስቲ ፖላንድ ካብ ዶብ ከም ዘይመለሳ ገሊፁ።
Mon, 29 Apr 2024 - 07min - 5012 - ደቡብ ኣፍሪቃ፡ 30 ዓመት ድሕሪ ምፍራስ ስርዓት ኣፓርታይድ
ደቡብ ኣፍሪቃ ፡ ካብቲ ኵሎም ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድምጾም ዚህቡሉ ዝጀመሩ ናይ ፈለማ ደሞክራስያዊ ምርጫ ፡ መበል 30 ዓመት ትጽምበል ኣላ ። እታ ሃገር ካልእ ምርጫ ንምግባር ኣብ ትሸባሸበሉ ዘላ እዋን ግን ብዙሓት ደቡብ ኣፍሪቃውያን ድራር ዕለቶም ንምርካብ ኣብ ዝጽገምሉ ኩነታት እዮም ዝርከቡ። ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ 1994 ኣትሒዛ ዝተጓዕዘቶ ጉዕዞ ኽሳብ ክንደይ ዕቤት ከም ዘርኣየት ሕቶታት ይለዓሉ ኣለዉ ።
Mon, 29 Apr 2024 - 05min - 5011 - ኣብ ዙር ቱርኪየ መርሃዊ ቅዱስን መትከል ኢዮብን ካልኣይን ራብዓይን ወዲኦም፣ ሰሎሞን ባሬጋ ኣብ ቻይና ተዓዊቱ፣
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (29/04/2024) * ኣብ ከተማ ሱቾው፣ ቻይና፣ ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ርክባት ውድድራት ኣልማዛዊ ሊግ ዋንዳ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ሰለሞን ባሬጋ ኣብ 5000 ሜ ተዓዊቱ፣ * ማራቶን ማድሪድ ሰንበት ተኻይዱ ኢትዮጵያውያን ምትኩ ታፋን ፍቅረ በቀለን ተመራሪሖም ቀዳማይን ካልኣይን ወጺኦም፣ * ኣብ ፕረዚደንታዊ ቅድድም ብሽግለታ ዙር ቱርኪየ ኤርትራውያን መርሃዊ ቅዱስን መትከል ኢዮብን ሓያል ብቕዓቶም ብምምስካር ብሓፈሽኡ ካልኣይን ራብዓይን ወዲኦም፣ * ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ወቕቲ 2023/24 ናብ ምዝዛም ገጾም እናተቓረቡ ኣብ ዝመጽሉ ዘለዉ እዋን ሻምፒዮን መን ክትከውን'ያ ገና እንተዘይተፈልጠ'ኳ እታ ቀዳመይቲ ንታሕቲ ትምለስ ጋንታ ግን ተፈሊጣ፣
Mon, 29 Apr 2024 - 10min - 5010 - ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ሚያዝያ 2024)
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ዉግእ ህይወቶም ዝሰኣኑን ኣባላት ሰራዊትን ኣብ ኣውስትራሊያ ይዝከሩ ኣለዉ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ነቲ ኣብ ጥቓ ክልተ ዓበይቲ ሆስፒታላት ጋዛ ዝተረኽበ ናይ ብዙሃት ሬሳታት ጉድጓድ ፡ ብናጻ ክምርመር ጸዊዑ ኣሎ ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰብኣዊ ምላሽ ካብ ዝተሓስበ 3.2 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ፡ ዝተረኽበ 287 ሚልዮን ዶላር ጥራይ፡ ምዃኑ ተገሊጹ።
Thu, 25 Apr 2024 - 16min - 5009 - "ምስጢር ጥዑም ጸብሒ ኣብ ሽጉርትን ኮሚደረን’ዩ ዘሎ።" ከሻኒ ኣሮን ዑመር
ኣሮን ዑመር፡ ካብ ሱዳን ናብ ኣውስትራሊያ ካብ ዝስደድ ዉሑድ ዓመታት ጥራይ እዩ ኣቚጺሩ ። እንተኾነ ካብ ዓድን ሱዳንን ኣትሒዙ ምኽሻን ምስ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣብ በበይኑ ዉራያት ብዘቕርቦ ዘሎ ምዑዝ ምግብታት ቅልጡ ተቐባልነት ይረክብ ኣሎ። ምስ ከሻኒ ባህላዊ ምግቢ ሓበሻ ኣሮን ዑመር ዝተገብረ ዕላል ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።
Thu, 25 Apr 2024 - 14min - 5008 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 ሚያዝያ 2024)
ንሎሚ ሓሙስ 25 ሚያዝያ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ናብ ኣውስትራሊያ ካብ ዝመጽእ ዉሑድ ዓመታት እኳ እንተኾኖ፡ ኣብ ዉራያት ብዘቕርቦ ዘሎ ምዑዝ ምግብታት ተፈላጥነት ዝረክብ ዘሎ ከሻኒ ባህላዊ ምግቢ ሓበሻ ዝኾነ ኣሮን ዑመር ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ኣለና፡ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ዝምልከት መግለጺ ሂቡ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ካብቲ ዝነበሮ ክገድድ እምበር ዝዀነ ምምሕያሽ ከም ዘይተራእዮ ሓቢሩ። ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና፡ ደቀባትን ምስ መሬቶም ዘለዎም ዝምድናን ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ዉግእ ህይወቶም ዝሰኣኑን ኣባላት ሰራዊትን ኣብ ኣውስትራሊያ ይዝከሩ ኣለዉ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ነቲ ኣብ ጥቓ ክልተ ዓበይቲ ሆስፒታላት ጋዛ ዝተረኽበ ናይ ብዙሃት ሬሳታት ጉድጓድ ፡ ብናጻ ክምርመር ጸዊዑ ኣሎ ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰብኣዊ ምላሽ ካብ ዝተሓስበ 3.2 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ፡ ዝተረኽበ 287 ሚልዮን ዶላር ጥራይ፡ ምዃኑ ተገሊጹ።
Thu, 25 Apr 2024 - 56min - 5007 - ኣብ ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ ብውሕዱ 21 ሰባት ሞይቶም።
ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ድሕንነት ኢትዮጵያ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ዝምልከት መግለጺ ሂቡ። ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ደቡባዊ ትግራይ ዘጋጠመ ግጭት፡ ስሩዕ ሓይልታት ዝተሳተፍሉ ጐንጺ ከም ዘይኰነ ተዛሪቡ። ኣብ ኢትዮጵያ፡ ሰብኣዊ ምላሽ ካብ ዝተሓስበ 3.2 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ፡ ዝተረኽበ 287 ሚልዮን ዶላር ጥራይ፡ ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብ ጂቡቲ፣ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ ብውሕዱ 21 ሰባት ሞይቶም። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ካብቲ ዝነበሮ ክገድድ እምበር ዝዀነ ምምሕያሽ ከም ዘይተራእዮ ሓቢሩ
Thu, 25 Apr 2024 - 09min - 5006 - #60 Talking about commemorating | Anzac Day (Med) - ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ ምስ ኤስ ቢ ኤስ ዝርርብ ብዛዕባ ዝኽሪ መዓልቲ ኣንዛክ (Anzac Day)
Learn how to talk about commemorating Anzac Day, plus find out why it's important for all Australians. - ብዛዕባ ዝኽሪ መዓልቲ ኣንዛክ ከመይ ጌርኩም ከም እትዘራረቡ ተምሃሩ ፡ ከምኡ ውን ንኹሎም ኣውስትራሊያዊያን ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት ፍለጡ ።
Wed, 24 Apr 2024 - 16min - 5005 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ሚያዝያ 2024)
ኣርእስታት ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 23 ሚያዝያ 2024፡ ሰራዊት እስራኤል ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ፡ዝርከቡ ሰላማውያን ሰባት ኣብ ሓደገኛ ናይ ቃልሲ ዞባ ከም ዘለዉ ብምጥንቃቕ ፡ ካብቲ ክግዕዙ ኣዚዙ ። ቀ/ ሚ ብሪጣንያ ሩሺ ሱናክ ፡ እታ ሃገር ኣብ መወዳእታ ናይ 'ዚ ዓሰርተ ዓመት ፡ ናይ ምክልኻል ወጻኢታታ ናብ 2.5 ሚኢታዊ ካብ ጅምላ ሃገራዊ እቶታ ክብ ከተብሎ ምዃና ገሊጹ ። ኣርሰናል ንቸልሲ 5ብ0 ብምስዓር ኣብ ዝርዝር ሰሌዳ ፕሪሜር ናብ ቀዳማይ ደረጃ ተመሊሳ
Wed, 24 Apr 2024 - 04min - 5004 - ደቀባትን ምስ መሬቶም ዘለዎም ዝምድናን (ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ)
ህዝብታት ኣቦርጅንን ደሴታት ቶረስን ፡ ምስ መሬቶም ዓብዪ መንፈሳዊ ምትእስሳር ኣለዎም ፣ እዚ ከኣ ምስ መንነቶምን ምስ ዝምዒት ናተይነትን ምስ ኣገባብ ኣነባብራ ህይወቶምን ዝተሓሓዝ እዩ ። ነቲ መሰረት ህላወኦምን ሓላው ዛንታኦምን ዝዀነ መበቆል ዓዶም ድማ የመልክት ።
Wed, 24 Apr 2024 - 09min - 5003 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ሚያዝያ 2024)
ኣርእስታት ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 23 ሚያዝያ 2024፡ ብ ቢልዮነር ኤሎን ማስክ ዝውነን ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ (X ) ፡ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝተሓሓዝ ምስልታት ቪድዮ ካብቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ክኣልዮ ተሓቲቱ። መስርሕ ምጥራዝ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ናብ ርዋንዳ ኣብዝመጽእ ወርሓት ሳመር ከምዝጅምር ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሩሺ ሱናክ ገሊጹ። ዝተኸልከሉ መነቓቕሒ መድሃኒታት ወሲዳ ዝተረኸበት ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ንሓሙሽተ ዓመት ካብ ውድድር ኣትሌቲክስ ተኣጊዳ።
Tue, 23 Apr 2024 - 05min - 5002 - ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ሚያዝያ 2024)
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብቲ ኣብ ሲድኒ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ፡ ኣብቲ እዋን ተወጊኣ ሆስፒታል ዝኣተወት ጓል ትሽዓተ ወርሒ ህጻን ካብ ሆስፒታል ወጺኣ ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ፡ ነቲ ኣመሪካ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት እስራኤል ምግሃስ መሰላት ፈጺሞም ኢላ ክትትግብሮ ወጢናቶ ዘላ እገዳታት ከም ዝቃለሶ ገሊጹ ። ሚኒስትሪ ፋይናንስን ሃገራዊ ልምዓትን ኤርትራ ምስ ሕቡራት ሃገራት ልምዓታዊ ስምምዕ ፈሪሙ፡
Mon, 22 Apr 2024 - 13min - 5001 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ሚያዝያ 2024)
ንሎሚ ሰኑይ 22 ሚይዝያ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኮሚሽን ምርመራ ምጽናት ዓሌት ትግራይ ብመንግስቲ ፌደራል ኣፍልጦ ረኺቡ። "ሰራዊት ሚድያ' ሰልፊ ብልጽግና ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ምስታፎም መርመራ ተረጋጊጹ ካብ ተጠቃዕቲ ናይቲ ሓበሬታ ኣብ መሪሕነት ህወሓት ዘለዉ ኣካላት ምዃኖም እውን ተሓቢሩ። ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና ክቐርብ እዩ። ሓጺር ጸብጻብ ኢፍጣር ኣብ መልበርን፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብቲ ኣብ ሲድኒ ዘጋጠመ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ፡ ኣብቲ እዋን ተወጊኣ ሆስፒታል ዝኣተወት ጓል ትሽዓተ ወርሒ ህጻን ካብ ሆስፒታል ወጺኣ ። ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ፡ ነቲ ኣመሪካ ወተሃደራዊ ኣሃዱታት እስራኤል ምግሃስ መሰላት ፈጺሞም ኢላ ክትትግብሮ ወጢናቶ ዘላ እገዳታት ከም ዝቃለሶ ገሊጹ ። ሚኒስትሪ ፋይናንስን ሃገራዊ ልምዓትን ኤርትራ ምስ ሕቡራት ሃገራት ልምዓታዊ ስምምዕ ፈሪሙ፡
Mon, 22 Apr 2024 - 49min - 5000 - ኮሚሽን ምርመራ ምጽናት ዓሌት ትግራይ ብመንግስቲ ፌደራል ኣፍልጦ ረኺቡ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ፡ ንልዕሊ 520 ሽሕ ህጻናትን ቈልዑን ክታበትን ምዕዳል ቫይታሚን ኤ’ን ክካየድ ምዃኑ፡ ገሊጹ፡ ሚኒስትሪ ፋይናንስን ሃገራዊ ልምዓትን ኤርትራ ምስ ሕቡራት ሃገራት ልምዓታዊ ስምምዕ ፈሪሙ፡ "ሰራዊት ሚድያ' ሰልፊ ብልጽግና ናይ ሓሶት ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ምስታፎም መርመራ ተረጋጊጹ ካብ ተጠቃዕቲ ናይቲ ሓበሬታ ኣብ መሪሕነት ህወሓት ዘለዉ ኣካላት ምዃኖም እውን ተሓቢሩ።
Mon, 22 Apr 2024 - 07min - 4999 - ቀነኒሳ በቀለ ኣብ ማራቶን ለንደን ካልኣይ ወጺኡ፣ ኣብ ኢጣልያን ቱርኪን ተቐዳደምቲ ብሽግለታ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይሳተፉ፣
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (22/04/2024) * ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ መንገዲ ኣትለቲክስ ዓለም ብደረጃ ፕላቲነም ዝስራዕ ማራቶን ለንደን ተኻይዱ ቀነኒሳ በቀለ ካልኣይ ወጺኡ፣ * ጉዳፍ ጸጋይን ለመቻ ግርማን ኣብ ውድድራት ዳያመንድ ሊግ ዣመን ተዓዊቶም፣ * ኣብ ቅድድማት ብሽግለታ ዙር ኣልፕስ ናይ ኢጣልያን ፕረዚንታዊ ዙር ቱርኪን ኤርትራውያንን ኢትጵያውያንን ተቐዳደምቲ ተሳቲፎም፣ * ብዘይካ ኣስቶን ቪላ ኩለን ጋንታታት ዓዲ እንግሊዝ ማለት ማንቸስተር ሲቲን ኣርሰናልን ካብ ግጥማት ሻምፒዮንስ ሊግ ክለባት ኤውሮጳ ሊቨርፑልን ወስትሃምን ከኣ ካብ ግጥማት ዩሮፓ ሊግ ድሕሪ ምግላፈን ፈላሞት ግጥማት ፕሪምየር ሊግን ዋንጫ ኤፍኤ ካፕን ተኻይዶም፣
Mon, 22 Apr 2024 - 09min - 4998 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ሚያዝያ 2024)
ንሎሚ ሰኑይ 18 መጋቢት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መንግስቲ ኣምሓራ ህወሓት ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ጥሒሱ ራብዓይ ዙርያ ወራር ፈጺሙ ክብል ከሲሱ። ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግን ብሓይልታት ኣምሓራ ኣብተን ከባቢታት ዝቖመ ምምሕዳር ንምፍራስ ምስ መንግስቲ ፌደራል ስምምዕ ተገይሩ ይፍጸም ከም ዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ። ዝብል ዝርከቦ ጸብጻብ ሉኽና ኣሎ። ዝለዓለ ድሕነት ህጻናት ደቅኹም ንምሕላው ኣብ መኪና ኣቀማምጥኦም ከመይ ክኸውን ኣለዎ፧ ። ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ኣብ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ሓደ ትሕዝቶ ከነቕርብ ኢና። ቅለ መሕትትን ካልእ ትሕዝቶታትንውን ሒዝና ተዳሊና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ሰንበት [14 ሚያዝያ] ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሕነ ክትፈዲ ትሓስብ ኣላ ። ብሰንኪ ዘጋጠመ ሕማቕ ኩነታት ኣየር፡ ካብን ናብን ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ ዝግበር ናይ ልዕሊ 270 በረራታት ተሰሪዙ ፡ ሓገዝ ወሃብቲ ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ሓገዝ ንምብጻሕ 610 ሚልዮን ዶላር ንምሃብ ተመባጺኦም።
Thu, 18 Apr 2024 - 55min - 4997 - ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (18 ሚያዝያ 2024)
ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ሰንበት [14 ሚያዝያ] ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ሕነ ክትፈዲ ትሓስብ ኣላ ። ብሰንኪ ዘጋጠመ ሕማቕ ኩነታት ኣየር፡ ካብን ናብን ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ዱባይ ዝግበር ናይ ልዕሊ 270 በረራታት ተሰሪዙ ፡ ሓገዝ ወሃብቲ ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ሓገዝ ንምብጻሕ 610 ሚልዮን ዶላር ንምሃብ ተመባጺኦም።
Thu, 18 Apr 2024 - 14min - 4996 - መንግስቲ ኣምሓራ ህወሓት ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ጥሒሱ ራብዓይ ዙርያ ወራር ፈጺሙ ክብል ከሲሱ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግን ብሓይልታት ኣምሓራ ኣብተን ከባቢታት ዝቖመ ምምሕዳር ንምፍራስ ምስ መንግስቲ ፌደራል ስምምዕ ተገይሩ ይፍጸም ከም ዘሎ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ምምሕዳር አዊ ዝተላዕለ ጎንጺ ኣብ ሲቪላት ሰባት ጉድኣት ምብጽሑ ነበርቲ ገሊጾም ኣብ ርእሰ ከተማ ፈረንሳይ ዝኾነት ፓሪስ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘጓነየ ዋዕላ ጎረባብቲ ሃገራትን መሻርኽትን ሱዳን ተኻይዱ። ሚኒስተር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ምስ ሓላፊት ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ ዓለም ተራኺቡ ሓገዝ ወሃብቲ ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ሓገዝ ንምብጻሕ 610 ሚልዮን ዶላር ንምሃብ ተመባጺኦም።
Thu, 18 Apr 2024 - 07min - 4995 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ሚያዝያ 2024)
ሰላም ክቡራት ሰማዕትና፣ ናይ ሎሚ ሮቡዕ 17 ሚያዝያ 2024 ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ * ሰራዊት እስራኤል ንሓደ ኣዛዚ ሒዝቡላህ ቀቲለ ይብል፡ * እስራኤል ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማቓዚ 11 ሰባት ቀቲላ ይብል ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ * ኣብ ከባቢታት ኣላማጣ ደጊሙ ዝተወልዐ ኲናት ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ኣመዛቢሉ፡ * ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ኢትዮጵያ ዝውዕል 600 ሚልዮን ዶላር መብጽዓ ተኣትዩለይ ይብል፣
Wed, 17 Apr 2024 - 05min - 4994 - ዝለዓለ ድሕነት ህጻናት ደቅኹም ንምሕላው ኣብ መኪና ኣቀማምጥኦም ከመይ ክኸውን ኣለዎ፧
ብኣጠቓቕማ መእሰሪ ዘለዎ ወንበር ህጻናት ኣብ መኪና ኣውስትራልያ ሓንቲ ካብ’ቶም ዝለዓሉ መጠናት ዘለዋ እንተኾነት’ኳ፣ ብዙሓት ህጻናት ዛጊት ካብ’ቲ ዝግባእ ትሕት ዝበለ ድሕነት ብዘለዎም ኣገባባት ኣብ መኪና ይጓዓዙ’ለው። ሓደጋ መኪና ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ዕድላት ምድሓን ህጻናት ብዝለዓለ መጠኑ ንምውሓስ ወለድን ኣለይትን ክልቲኦም ማለት ሕጋውያን ጠለባትን ብሉጻት ኣገባባትን ክርድእዎም ኣገዳሲ’ዩ።
Tue, 16 Apr 2024 - 12min - 4993 - ኣህጉራዊ ዋዕላ ብዛዕባ ሱዳን ኣብ ፓሪስ
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ሓይልታት ኪዳን ሱዳንን ሓይልታት ህጹጽ ደገፍን ንሓደ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት ከብቅዕ ጸዊዑ ። እዚ ዝበለ ኣብቲ ኣብ ፓሪስ ዝተገብረ ኣህጉራዊ ዋዕላ ብዛዕባ ሱዳን እዩ ፣ኣብቲ ዋዕላ ኣህጉራዊያን ለገስቲ ሃገራት ፣ ብሰንኪ' ቲ ኲናት ፣ ብዙሕ ህዝቢ ኣብ ጥሜት ብምውዳቑ ፣ ንሱዳን ንምሕጋዝ ልዕሊ 3 ቢልዮን ዶላር ($2.1 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ) ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝገብራላ ቃል ኣትዮም ኣለዉ ።
Tue, 16 Apr 2024 - 05min - 4992 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 ሚያዝያ 2024)
ንሎሚ 16 ሚያዝያ 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ አቕርበልኩም ፈለማ ኣርእስታት ኣብ ሓደ ቤተ ክርስትያን ናይ ሲድኒ ዝተገብረ መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ምዃኑ ፖሊስ ኒው ሳውዝ ወልስ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ዘሎ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ሱዳን እቲ ንሓደ ዓመት ዝጸንሐ ግጭት መፍትሒ ክረክብ ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ። ዶናልድ ትራምፕ ብገበን ተኸሲሱ ኣብ መጋባእያ ናይ ኒው ዮርክ ቀሪቡ ።
Tue, 16 Apr 2024 - 04min - 4991 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ሚያዝያ 2024)
ንሎሚ ሰኑይ 15 መጋቢት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ጎንደር ኤርትራዊ ህጻን ተጨውዩ ተባሂሉ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ንዓዶም ክምለሱ ጀሚሮም ሶማልያ እማመ ኬንያ ንጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ነፂጋ ዝብሉ ኣርእስታት ዝሓዘ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሰሙናዊ ዜናታት ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝገበርክዎ መጥቃዕቲ ዕዉት ነይሩ ትብል ፡ እስራኤል ድማ ሕነ ከምትፈዲ ኣጠንቂቓ ። ኣብ ከተማ ሲድኒ ብዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ብካራ ተሃሪዶም ዝሞቱ ሰባት መንነቶም ክግለጽ ጀሚሩ ። እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ሕነ ክትፈዲ እንተወሲና ኣመሪካ ከምዘይትሳተፎ ኣፍሊጣ ። ማራቶን ሮተርዳም ተኻይዱ ብዓወት ኢትዮጵያዊት ኣሸተ በከር ተዛዚሙ። ቢንያም ግርማይ ኣብ ዉድድር ብሽግለታ ጂሮ ዲ ኢታሊያ 2024 ክሳተፍ ምዃኑ ጋንታኡ ኣፍሊጣ። ኣብ ፕሪሜር ዓዲ እንግሊዝ ማቸስተር ሲስቲ ብገፊሕ ኣብ ዝተዓወተትሉ፡ ኣርሰናልን ሊቨርፑልን ትጽቢት ዘይተገብረሉ ስዕረት ኣጋጢምወን።
Mon, 15 Apr 2024 - 46min - 4990 - ቢንያም ግርማይ ኣብ ዉድድር ብሽግለታ ጂሮ ዲ ኢታሊያ 2024 ክሳተፍ ምዃኑ ጋንታኡ ኣፍሊጣ።
ማራቶን ሮተርዳም ተኻይዱ ብዓወት ኢትዮጵያዊት ኣሸተ በከር ተዛዚሙ። ቢንያም ግርማይ ኣብ ዉድድር ብሽግለታ ጂሮ ዲ ኢታሊያ 2024 ክሳተፍ ምዃኑ ጋንታኡ ኣፍሊጣ። ኣብ ፕሪሜር ዓዲ እንግሊዝ ማቸስተር ሲስቲ ብገፊሕ ኣብ ዝተዓወተትሉ፡ ኣርሰናልን ሊቨርፑልን ትጽቢት ዘይተገብረሉ ስዕረት ኣጋጢምወን።
Mon, 15 Apr 2024 - 07min - 4989 - ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 ሚያዝያ 2024)
ኣርእስታት ዜና፥ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝገበርክዎ መጥቃዕቲ ዕዉት ነይሩ ትብል ፡ እስራኤል ድማ ሕነ ከምትፈዲ ኣጠንቂቓ ። ኣብ ከተማ ሲድኒ ብዘጋጠመ ዘስካሕክሕ ብካራ ተሃሪዶም ዝሞቱ ሰባት መንነቶም ክግለጽ ጀሚሩ ። ካልኣይ ዙር ዝርርብ ህወሓትን ብልፅግናን ኣብ ኣዲስ ቀፂሉ
Mon, 15 Apr 2024 - 15min - 4988 - ኣብ ጎንደር ሓደ ኤርትራዊ ህጻን ተጨውዩ ተባሂሉ። (ጸብጻባት)
ካልኣይ ዙር ዝርርብ ህወሓትን ብልፅግናን ኣብ ኣዲስ ቀፂሉ ኣብ ጎንደር ኤርትራዊ ህጻን ተጨውዩ ተባሂሉ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ንዓዶም ክምለሱ ጀሚሮም ሶማልያ እማመ ኬንያ ንጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ነፂጋ ሆስፒታል መቐለ ብ50 ሚልዮን ብር ይፅገን ኣሎ
Mon, 15 Apr 2024 - 07min - 4987 - “ካብ ትሕቲ ዕድመ ወተሃደር ኣብ ኤርትራ ክሳብ ዳይረክተር ተክኒክ ኣብ ዓቢ ኮርፖሬሽን ኣመሪካ።” ዕላል ምስ ጸሓፊ ቶማስ ሶሎሞን
ዶ/ር ቶማስ ሶሎሞን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዱ በቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያን ኣብቲ ንነጻነት ኤርትራ ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ምስ ስድራኡ ብንእሽቶኡ ናብ ሳሕል ከይዱ ኣብ ትሕቲ ኸቢድ ኩነታት ዝዓበየ እዩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝተማህረን ትሕተ ዕድመ ዕጡቕ ኮይኑ ዝዓበየን ዶ/ር ቶማስ ድሕሪ ናጽነት ናብ ኣመሪካ ተሰዲዱ ትምህርቱ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣብጺሑ ሎሚ ናይ ሓደ ዓቢ ኮርፖሬሽን ቴክኒካል ዳይረክተር እዩ። እዛ “The Unlikely Journey” ዘርእስታ መጽሓፉ ካብ ትሕተ ዕድመ ወተሃደር ክሳብ ተክኒካል ዳይረክተር ኣብ ኣመሪካ ዝኸደሉ ጉዕዞ ትትርኽ ናይ ዉልቁ ዝኽሪ ዝሓዘት እያ። ምስ ታሪኹ ዝተሓሓዘ ዕላል ገይርና ኣለና።
Fri, 12 Apr 2024 - 27min - 4986 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ሚያዝያ 2024)
ንሎሚ ሓሙስ 11 ሚያዝያ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ዶ/ር ቶማስ ሶሎሞን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዱ በቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያን ኣብቲ ንነጻነት ኤርትራ ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ምስ ስድራኡ ብንእሽቶኡ ናብ ሳሕል ከይዱ ብኸቢድ ኩነታት ዝዓበየ እዩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ዝተማህረ ዶ/ር ቶማስ ድሕሪ ናጽነት ናብ ኣመሪካ ተሰዲዱ ትምህርቱ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣብጺሑ ሎሚ ናይ ሓደ ዓቢ ኮርፖሬሽን ቴክኒካል ዳይረክተር እዩ። እዛ “The Unlikely Journey” ዘርእስታ መጽሓፉ ካብ ትሕተ ዕድመ ወተሃደር ክሳብ ተክኒካል ዳይረክተር ኣብ ኣመሪካ ዝኸደሉ ጉዕዞ ትትርኽ ናይ ዉልቁ ዝኽሪ ዝሓዘት እያ። ምስ ታሪኹ ዝተሓሓዘ ዕላል ገይርና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ። ኣብ ኤርትራ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝበኣሰ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ ተባሂሉ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ቅትለት ላዕለዋይ ፖለቲካዊ መራሒ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ቁጠዐ ኣለዓዒሉ። “ኣብ ኣውስትራሊያ ዘለና ተቓዉሞ ናይ ምግባር መሰል።” ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ሰሙናዊ መደብ ንባር ኣብ ኣውስትራሊያን ካልእን ቀሪብና ኣለና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ኣርእስታት ዜና፥ መራሒ ሰልፊ ተቓዋሚ ፒተር ዱተን ፡ ኣንቶኒ ኣልባነሲ ኣብ ኣውስትራልያ ኣንጻር ሴማዊ ኣተሓሳስባ ኽዕብልል ይሰርሕ ኣሎ ክብል ከሲሱ ፣ መበል 1445 ህጅሪያ ዒድኣልፈጥር ኣብ ትግራይን ኤርትራን ብድሙቕ ስነ-ስርዓት ተኸቢሩ። መራሒ ሓማስ እስማዒል ሓኒየህ ፡ ኣብ ቓዛ ብመጥቃዕቲ መጥቃዕቲ እስራኤል ሰለስተ ደቁን እንተ ወሓደ ክልተ ደቂ ደቁን ከም እተቐትሉ ገሊጹ ። ማሕበር ተጋሩ ቪክቶርያ ኣውስትራልያ ኣብ ትግራይ ንምግቢ ዝዉዕል ልዕሊ 16 ሚልዮን ብር ን ሓይሊ ዕማም ህጹጽ ምላሽ ንትግራይ ኣረኪቡ።
Thu, 11 Apr 2024 - 57min - 4984 - ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (11 ሚያዝያ 2024)
ኣርእስታት ዜና፥ መራሒ ሰልፊ ተቓዋሚ ፒተር ዱተን ፡ ኣንቶኒ ኣልባነሲ ኣብ ኣውስትራልያ ኣንጻር ሴማዊ ኣተሓሳስባ ኽዕብልል ይሰርሕ ኣሎ ክብል ከሲሱ ፣ መበል 1445 ህጅሪያ ዒድኣልፈጥር ኣብ ትግራይን ኤርትራን ብድሙቕ ስነ-ስርዓት ተኸቢሩ። መራሒ ሓማስ እስማዒል ሓኒየህ ፡ ኣብ ቓዛ ብመጥቃዕቲ መጥቃዕቲ እስራኤል ሰለስተ ደቁን እንተ ወሓደ ክልተ ደቂ ደቁን ከም እተቐትሉ ገሊጹ ። ማሕበር ተጋሩ ቪክቶርያ ኣውስትራልያ ኣብ ትግራይ ንምግቢ ዝዉዕል ልዕሊ 16 ሚልዮን ብር ን ሓይሊ ዕማም ህጹጽ ምላሽ ንትግራይ ኣረኪቡ።
Thu, 11 Apr 2024 - 13min - 4983 - ርዋንዳ፡ ጠንቅን ሳዕቤንን ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ጽንተት ዓሌትን
7 ሚያዝያ ነቲ ብ1994 ናይቲ ኣብ ሩዋንዳ ኣብ ልዕሊ ቱትሲ እተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ዝተፈጸመላ 'ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣስተንትኖ " እያ ። ይኹን እምበር ፡ እቲ ጃምላዊ ቅትለት እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ዓሌታዊ ውጥረትን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ስዒቡ እዩ ተፈጺሙ ። እዚ ስዒቡ ዝቐርብ ትንታነ ዜና ነዚ ክርእይ እዩ ።
Thu, 11 Apr 2024 - 08min - 4982 - ኣብ ኤርትራ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝበኣሰ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ ተባሂሉ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ቅትለት ላዕለዋይ ፖለቲካዊ መራሒ ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ቁጠዐ ኣለዓዒሉ። ኣብ ኤርትራ፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝበኣሰ መልክዑ ይቕጽል ኣሎ ተባሂሉ።
Thu, 11 Apr 2024 - 04min - 4981 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (10 ሚያዝያ 2024)
ንሎሚ 10 ሚያዝያ 2024 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ፡ ኣርእስታት ዜና፥ ብሰንኪ ኩናት ሓድሕድ ሱዳን ኣብታ ሃገር ዘስካሕክሕ ጥሜት ተኸሲቱ። ሓማስ ነቲ እስራኤል ብዛዕባ ኣብ ምቍራጽ ተዅሲ ዝምልከት ዘቕረበቶ እማመ ፡ ንጠለባት ፍልስጤማውያን ከም ዘየማልእ እኳ እንተ ኣፍለጠ ፡ ነቲ ዝቐረበ ሓሳብ ብዝያዳ ኣጽኒዑ ንሸምገልቲ መልሲ ከም ዝህብ ገሊጹ ። ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስላማዊ ክልል ኣምሓራ መበል 1445 ዒድ ኣል-ፊጥር ብዝምልከት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ ኣብ ባህርዳር ዝተፈጸመ ሞት ናይ 4 ኣመንቲ ኮኒኑ።
Wed, 10 Apr 2024 - 05min - 4980 - ኣብ ኣውስትራሊያ ዘለና ተቓዉሞ ናይ ምግባር መሰል።
ኣውስትራሊያዊያን ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣብ ኣገዳሲ ጉዳያት ድምጾም እናስምዑ ኣብ ጐደናታት ሰላማዊ ሰልፊ የዘውትሩ። ተቓውሞ ምግባር ብመሰረቱ ዘይሕጋዊ ኣይኮነን ፤ ተቓወምቲ ግን ሓሓሊፎም ንዶባት ሕጊ ብኽቱር ክጥሕሱ ወይ ወይ ጸረ ሕብረተሰባዊ ባህርያት ከርእዩ ይኽእሉ እዮም ። ተቓውሞ ኣብተስምዕሉ ፣ ናብ ጸገም ናይ ምእታው ዕድልኩም ኣብቲ ዘለኻዮ ቦታን ኣብ ጠባይኩምን እዩ ዝምርኮስ ።
Tue, 09 Apr 2024 - 10min - 4979 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (09 ሚያዝያ 2024)
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ፡ ራፋ ንምውራር ዝኣተዎ ቃል ደጊሙ ብምርግጋጽ ፡ እቲ ወረራ መዓስ ከምዝፍጸም ክገልጽ ግን ኣይደለየን ። ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ናይ ቪክቶርያ ፡ ኣብ ሓንቲ ዝነደደት ማኪና ሬሳ ሰበይቲ ምስ ተረኽበ ፡ ሓደ ወዲ 21 ዓመት ሰብኣይ ብቕትለት ተኸሲሱ ። ተዋዳዳሪ ማራቶን ጕያ ሩስ ኩኽ ፡ ኣብ ታሪኽ ናይ መጀመርታ ንምሉእ ዙርያ ኣፍሪቃ ብጉያ ክዘራ ታሪኽ ኣብዝሰርሓሉ ዘሎ ኣብ ጉዕዞኡ ዘጋጠሞ ሓደገኛ ነገራት ኣካፊሉ።
Tue, 09 Apr 2024 - 05min - 4978 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ሚያዝያ 2024)
ንሎሚ ሰኑይ 8 ሚያዝያ 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መጋቢ ዑቕባስላሰ ሃይለ ኣብ በልጅም ዝነብር ሰባኺ ወንጌል፣ ዘማራይ፣ ማሕበራዊን ዝምድናዊን ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ዘማኽርን ብኣካልን ብማሕበራዊ መድረኻትን ኣስተምህሮ ዝህብን’ዩ። ቅነ ፋሲካን ኣብ ኣውስትራልያ ምምጽኡን ምኽንያት ብምግባር ኣብ’ዚ ኣብ ስቱድዮ ኤስቢኤስ ዓዲምና ዕላል ኣካይድናሉ’ ኔርና። መቐጸልታ ናይቲ ዝተገብረ ዕላል ሎሚውን ከነቕርብ ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዙ ቢንግ ኣብ ቤት-ጽሕፈቱ ተመያይጡ፡ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ብኤርትራ ብዙሕ ክፋሉ ዝተትሓዘ ወረዳ ጉለመኸዳ፡ ንካልኣይ ግዜ ዑደት ኣካይዱ። ዝብሉን ካልእ ኣርእስታት ዝሓዘን ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ኣብ ቓዛ ንኣዋርሕ ዝኣክል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻማ ከም ዝሰሓበት ሓደ ወሃብ ቃል ሰራዊት እስራኤል ገሊጹ ። ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ክብረ ወሰን ዝሰበረ ዉሕጅ ዝወረደ ጕድኣት ኣብዝግምገመሉ ዘሎ እቲ ወሓይዝ እናደኸመ ይኸይድ ከም ዘሎ ተፈሊጡ። ፈረንሳ ኣብ ምሕላው ጸጥታ ኦሎምፒክስ ፓሪስ ንምሕጋዝ ወተሃደራት ካብ ካልኦት ሃገራት ክለኣኸላ ሓቲታ፣
Mon, 08 Apr 2024 - 46min - 4977 - “ምክልኻል ጥንሲ: ኣብ ግዝኣት ሓርነት ሰብ ዘሎ ዉሳነ እዩ።” መ/ ዑቕባስላሰ ሃይለ
መጋቢ ዑቕባስላሰ ሃይለ ኣብ በልጅም ዝነብር ሰባኺ ወንጌል፣ ዘማራይ፣ ማሕበራዊን ዝምድናዊን ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ዘማኽርን ብኣካልን ብማሕበራዊ መድረኻትን ኣስተምህሮ ዝህብን’ዩ። ብዛዕባ ጥዑይ ሓዳር ዝምልከት ምኽርን ሓሳባትን ዝሃበሉ ካልኣይ ክፋል ትሕዝቶ ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።
Mon, 08 Apr 2024 - 22min - 4976 - ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (08 ሚያዝያ 2024)
ኣርእስታት ዜና፥ እስራኤል ኣብ ቓዛ ንኣዋርሕ ዝኣክል መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻማ ከም ዝሰሓበት ሓደ ወሃብ ቃል ሰራዊት እስራኤል ገሊጹ ። ኣብ ኒው ሳውዝ ዌልስ ክብረ ወሰን ዝሰበረ ዉሕጅ ዝወረደ ጕድኣት ኣብዝግምገመሉ ዘሎ እቲ ወሓይዝ እናደኸመ ይኸይድ ከም ዘሎ ተፈሊጡ። ፈረንሳ ኣብ ምሕላው ጸጥታ ኦሎምፒክስ ፓሪስ ንምሕጋዝ ወተሃደራት ካብ ካልኦት ሃገራት ክለኣኸላ ሓቲታ፣
Mon, 08 Apr 2024 - 14min - 4975 - ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ብኤርትራ ብዙሕ ክፋሉ ዝተትሓዘ ወረዳ ጉለመኸዳ፡ ንካልኣይ ግዜ ዑደት ኣካይዱ።
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዙ ቢንግ ኣብ ቤት-ጽሕፈቱ ተመያይጡ፡ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ብኤርትራ ብዙሕ ክፋሉ ዝተትሓዘ ወረዳ ጉለመኸዳ፡ ንካልኣይ ግዜ ዑደት ኣካይዱ። ውድብ ናፅነት ትግራይ ፈላማይ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ኣሳሊጡ። ኣብ ኣምሓራ ቤት ትምህርቲ ከተማ ፍኖተሰላም ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ነታጒ ኣብ 25 ተማሃሮ ተጎዲኦም ህዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ኣምሓራ “ገበናት ኲናት” ዝበሎ ፍጻመ ብመርማሪ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ቅልጡፍ መርመራ ክገበረሉ ጸዊዑ።
Mon, 08 Apr 2024 - 07min - 4974 - ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (4 ማዝያ 2024)
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ፖድካስት ኤስቢኤስ ትግርኛ (4 ማዝያ 2024) * ዜና * ሓዳስ ወኪል ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ (ጋቨርነር ጀነራል) ኣብ ኣውስትራልያ ተሰይማ፣ * ጸብጻብ ዜናታት ካብ ዞባና፣ ዘተ ሕወሓትን ብልጽግና ብዛዕባ ቀንዲ መበገሲ ኲናት ኣብ መንጎ ክልቲኦም፣ ፑንትላንድ ኣሰር ሶማሊላንድ ብምስዓብ ምስ ኢትዮጵያ ርክብ ጀሚራ፣ ሓባራዊ ልምምድ ሓይልታት ባሕሪ ሩስያን ኤርትራን * ቃለመሕትት ምስ መጋቢ ዑቕባስላሰ ሃይለ፣ ትንሳኤን ኣከባብርኡን፣ ማሕበራዊ ጉዳትን ኣፈታትሕኦምን * ምንባር ኣብ ኣውስትራልያ፣ ክሊማ ኣውስትራልያ፣ ተነቃፍነቱን ኣተሓሕዝኡን
Fri, 05 Apr 2024 - 57min - 4973 - ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (4 ማዝያ 2024)
ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (4 ማዝያ 2024) * ሓደ ህቡብ ከሻኒ ኣብ ዓለም እስራኤል ንናይ ረዲኤት ሰራሕተኛታት ኮነ ኢላ ቀቲላቶም ኢሉ ይኸስስ፣ * እስራኤል ሓያሎ ሰባት ዝቐዘፈ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ቆንስል ኢራን ኣብ ሶርያ ድሕሪ ምክያዳ ህጹጽ ኣኼባ ኣካይዱ፣ * ኢትዮጵያን ማዕከን ገንዘብ ዓለምን ከይተሰማምዑ ተፈላልዮም፣
Fri, 05 Apr 2024 - 11min - 4972 - ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራን ሩስያን ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ የካይዱ ከምዘለዉ ተፈሊጡ (ጸብጻብ)
ጸብጻባት ዜና (04042024) * ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራን ሩስያን ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ የካይዱ ከምዘለዉ ተፈሊጡ፣ * ህወሓትን ብልጽግናን፣ መሰረታዊ ጠንቂታት ኩናት ትግራይ ብፖለቲካዊ ዘተ ንምፍትሑ ፈላሚ ርክብ ኣካይዶም፣ * ዓለምለኻዊ ትካል ገንዘብ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዝነበሮ ፃንሒት ኣብ ስምምዕ ልቓሕ ከይበፅሐ ከም ዝተዛዘመ ተገሊጹ፣ * ኢትዮጵያን ፑንትላንድን ዝምድና ንምዕባይ ተሰማሚዐን፣
Thu, 04 Apr 2024 - 08min - 4971 - 'ኣብ መንጎ ማዕዳን/ምኽርን ተግሳጽን ሚዛኑ ዝሓለወ ጌርና እንተቐሪብናዮም ደቅና ክስዕቡና'ዮም' መጋቢ ዑቕባስላሰ ሃይለ
መጋቢ ዑቕባስላሰ ሃይለ ኣብ በልጅም ዝነብር ሰባኺ ወንጌል፣ ዘማራይ፣ ማሕበራዊን ዝምድናዊን ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ዘማኽርን ብኣካልን ብማሕበራዊ መድረኻትን ኣስተምህሮ ዝህብን’ዩ። ቅነ ፋሲካን ኣብ ኣውስትራልያ ምምጽኡን ምኽንያት ብምግባር ኣብ’ዚ ኣብ ስቱድዮ ኤስቢኤስ ዓዲምና ዕላል ኣካይድናሉ’ለና። ቀዳማይ ክፋሉ እነሆ ነቕርበልኩም። በየነ ሰመረ'ዩ ነቲ ዕላል ኣካይድዎ፣ ሰናይ ምክትታል።
Thu, 04 Apr 2024 - 13min - 4970 - ሳማንታ ሞስቲን ሓዳስ ወኪል ንግስነት ብሪጣንያ ኣብ ኣውስትራልያ (Governor General) ተሰይማ
ተጣባቒት ማዕርነት ጾታታትን በዓልቲ ዋኒን ንግዲን ሳማንታ ሞስቲን ሓዳስ ተጸዋዒት ንጉስ ዓባይ ብሪጣንያ (Governor General) ኣብ ኣውስትራልያ ክትከውን ተመዚዛ። ንሳ ነዚ ሓላፍነት ዝተዋህባ ካልኣይቲ ጓለንስተይቲ ኮይና’ላ።
Thu, 04 Apr 2024 - 09min - 4969 - ዙራ'ሞ ሃገርካ - ኣውስትራልያ፣ ክቡር ሃብቲ ማያን ፍሉይ ክሊማኣን
ኣውስትራልያ፣ ምስ ልዑል ዝኾነ ፍልልያት ኣብ ዝናብ፣ ሙቐትን ተርእዮታት ኩነታት ኣየርን ኣብ መላእ’ቶም ዝተፈላለዩ ዞናታት ክሊማን ካብ ሓደ ዓመት ናብ ካልእን፣ ካብ ኩለን ሰብ ዝነብረለን ኣህጉራት እታ ዝደረቐት’ያ። ካብ ትሮፒካዊ ሰሜን ክሳብ ተምፐረይት ደቡብ፣ ትሮፒካዊ ህቦብላታት፣ ምዕልቕላቓት፣ ማዕበላት ሙቐትን ደርቅን ዘካተቱ፣ ኣውስትራልያ ብተወሳኺ ብዙሓት ጠርዝታት ዝሓዙ ክቱራት ኩነታት ኣየር የጋጥምዋ። ክሊማ ኣውስትራልያ ነቶም ብዙሓት ዝዓይነቶም ኢኮሲስተምስ ይቐርጾም፣ ብዙሓት ካብ’ኦም ብምኽንያት ሕጽረት ማይ ብቐሊሉ ክዓንዉ/ክፈርሱ ዝኽእሉ’ዮም። ክሊማዊ ለውጢ፣ ባርዓት ጣሻን ደርቅን ብተወሳኺ ነዚኦም ከባቢታት የስግእዎም፣ ነዚኦም ንምዕቃብ ከኣ ኣድላይነት ጻዕርታት ስርሓት ምዕቃብ ኣጉሊሖም የርእዩ።
Wed, 03 Apr 2024 - 14min - 4968 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (2 ማዝያ 2024)
ንሎሚ 2 ሚያዝያ 2024 ዝተዳለወ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ * ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነዚ ቅትለት ሓንቲ ኣውስትራልያዊት ሰራሕተኛ ረዲኤት ብደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ፈጺሙ ተቐባልነት የብሉን ይብል፣ * ፕረዚደንት ፍልስጤም ማሕሙድ ዓባስ ሓድሽ መንግስቲ ቃለመሓላ ኣፈጺሙ፣ * ካብ 50 ክሳብ 70 ሚሜ ዝበጽሕ ህቦብላዊ ዝናብ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ከባቢታት ግዝኣት ቪክቶርያ ዘኒቡ፣ * ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ናይ ፈለማ ጓለንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሰይማ፣
Tue, 02 Apr 2024 - 06min - 4967 - ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (ባሕቲ ማዝያ 2024)
ምሉእ ትሕዝቶ ፈነወ ፖድካስት ኤስቢኤስ ትግርኛ (01042024) * ዕለታዊ ዜና ኤስቢኤስ ትግርኛ፣ * በዓል ፋሲካ ኣብ ኣውስትራልያን ብዛዕብኡ ዘለና ኣፍልጦን * ካልኣይ ክፋል ዕላል ምስ ኣቶ መሓረና ይከኣሎ፣ ክኢላን ኣማኻርን ቁጠባን ንግዲን - ኣብ ዛዕባታት ንግዲ፣ ዋኒናት፣ ንብረት፣ ግብሪ፣ ቦንድ፣ ስቶክ፣ ዕዳ፣ ተቐማጢ ገንዘብን ካልእን * ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ - ሊቨርፑልን መሪሕነት ፕሪምየር ሊግን፣ ቢንያም ግርማይን መጉዳእቱን፣ ጓል 15 ዓመት ሓያል ኣትሌት ኢትዮጵያ ኣብ ጉያ እግሪ መሮር
Mon, 01 Apr 2024 - 55min - 4966 - ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (ባሕቲ ማዝያ 2024)
ኣርእስታት ዜና፥ * በዓል ፋሲካ ኣብ ኣውስትራልያ ብዝተፈላለዪ ኣገባብ ተባዒሉ፣ * ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ግዝኣት ኲንስላንድ ምዕልቕላቕ ኣኸቲሉ ዝጸንሐ ኩነታት ከቢድ ዝናብ ክዝሕል ጀሚሩ፣ * መጥቃዕታት እስራኤል ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 77 ፍልስጤማውያን ቀቲሎም፣
Mon, 01 Apr 2024 - 08min - 4965 - ፈረንሳ ንኦሎምፒክስ-ፓሪስ ወተሃደራት ካልኦት ሃገራት ክሕግዙዋ ትሓትት
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (01042024) * ኣብ ከተማ በልግረይድ ኣብ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ውድድራት ጉያ እግሪ መሮር ጓል 15 ዓመት ማርታ ኣለማየሁ ዝድነቕ ዓወት ድሕሪ ምምዝጋባ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ሓያሎ መዳልያታት ሓፊሶም፣ * ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ድዋርስ ዶን ፍላንደርስ መውደቕቲ ኣጋጢምዎ ካብ ውድድር እንተቋረጸ’ኳ ኣብ ዙር ፍላንደርስ ተሳቲፉ ዘዕግብ ውጽኢት ኣመዝጊቡ፣ * ፈረንሳ ኣብ ምሕላው ጸጥታ ኦሎምፒክስ ፓሪስ ንምሕጋዝ ወተሃደራት ካብ ካልኦት ሃገራት ክለኣኸላ ሓቲታ፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣርሰናልን ማንቸስተር ሲቲን ገጢመን ብዘይሽቶ ማዕረ ድሕሪ ምፍልላየን ሊቨርፑል መሪሕነት ተረኪባ፣
Mon, 01 Apr 2024 - 10min - 4964 - ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 መጋቢት 2024)
ንሎሚ ሓሙስ 28 መጋቢት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ምስ ኣቶ መሓረና ይከኣሎ ብዛዕባ መድሕን ወይ ኢንሹራን፡ ዕዳን ካልእ ምስ ፋይናንስ ዝተሓሓዝ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት መቐጸልታ ኣለና፡ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት መደብና ከነቕርቦ ኢና። ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢሜረትስን ንሕምጢጥ ካብ ምግጫው ድሒነን ተባሂሉ። ኣብ ደቡብ ትግራይ ምስ ሓይልታት ኣምሓራ ግጭት ተኸሲቱ ከም ዝነበረ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ: ንግዲ ዘይንቀሳቀስ ንብረት ንናይ ወጻኢ ዜጋታት ከምትኸፍት ኣፍሊጣ። ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ልኡኽና ኣለና። ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ብ ኣቆጻጽራ ፈረንጂ በዓል ትንሳኤ እዩ፡ ነዚ ምኽንያት ብምግባር “ኣብ ኣውስትራሊያ፡ በዓል ትንሳኤ ብኸመይ'ዩ ዝበዓል፧” ዝብል ትሕዝቶ ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ዓመታዊ መጠን ዝቕባበ ኣውስትራሊያ ኣብ ወርሒ ለካቲት 3.4 ሚኢታዊት ኮይኑ ቀጺሉ ከምዘሎ ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ኣፍሊጡ። በዓል ትንሳኤ እናቐረበ ኣብዝመጻሉ ዘሎ: ኣውስትራልያውያን ዋጋ ቸኮላታ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ። ኣብ ደቡብ ትግራይ ምስ ሓይልታት ኣምሓራ ግጭት ተኸሲቱ ከም ዝነበረ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ: ንግዲ ዘይንቀሳቀስ ንብረት ንናይ ወጻኢ ዜጋታት ከምትኸፍት ኣፍሊጣ።
Thu, 28 Mar 2024 - 55min - 4963 - ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 መጋቢት 2024)
ኣርእስታት ዜና፥ ዓመታዊ መጠን ዝቕባበ ኣውስትራሊያ ኣብ ወርሒ ለካቲት 3.4 ሚኢታዊት ኮይኑ ቀጺሉ ከምዘሎ ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ኣፍሊጡ። በዓል ትንሳኤ እናቐረበ ኣብዝመጻሉ ዘሎ: ኣውስትራልያውያን ዋጋ ቸኮላታ እናወሰኸ ይኸይድ ከም ዘሎ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ። ኣብ ደቡብ ትግራይ ምስ ሓይልታት ኣምሓራ ግጭት ተኸሲቱ ከም ዝነበረ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ: ንግዲ ዘይንቀሳቀስ ንብረት ንናይ ወጻኢ ዜጋታት ከምትኸፍት ኣፍሊጣ።
Thu, 28 Mar 2024 - 14min - 4962 - ኣብ ደቡብ ትግራይ ምስ ሓይልታት ኣምሓራ ግጭት ተኸሲቱ ከም ዝነበረ ተገሊጹ። (ጸብጻብ)
ነፈርቲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኢሜረትስን ንሕምጢጥ ካብ ምግጫው ድሒነን ተባሂሉ። ኣብ ደቡብ ትግራይ ምስ ሓይልታት ኣምሓራ ግጭት ተኸሲቱ ከም ዝነበረ ተገሊጹ። ኢትዮጵያ: ንግዲ ዘይንቀሳቀስ ንብረት ንናይ ወጻኢ ዜጋታት ከምትኸፍት ኣፍሊጣ። ኣብ ኣመሪካ፣ ኣብ ገበን ዝተታሕዘ ኤርትራዊ ኣብ ዝርዝር ምክትታል ግብረሽበራውያን ሰፊሩ።ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና።
Thu, 28 Mar 2024 - 09min - 4961 - ኣብ ኣውስትራሊያ፡ በዓል ትንሳኤ ብኸመይ'ዩ ዝበዓል፧
በዓል ትንሳኤ ኣብ ክርስትያናዊ ዓውደ-ኣዋርሕ ሓደ ካብ ኣዝዩ ኣገደስቲ በዓላት እዩ ። ሃይማኖት ብዘየገድስ ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ዝነብሩ መብዛሕትኦም ሰባት ፡ ኣብቲ ናይ ነዊሕ መወዳእታ ሰሙን ዕረፍቲ ፡ ኣብ ግዳም ዝግበር ንጥፈታት ፡ ከምኡ እውን ምስ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ይተሓሓዝ እዩ ። ዕረፍቲ ኣብያተ ትምህርቲ ኩሉግዜ ምስዚ በዓላት ስለዝጋጠም ፡ ህጻናት ኣብ ባህላዊ ወግዕታትን ፌስቲቫላትን ንኽሳተፉ ሰፊሕ ዕድል ዝህብ እዩ ።
Wed, 27 Mar 2024 - 10min - 4960 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 መጋቢት 2024)
ንሎሚ 27 መጋቢት 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ፈለማ ኣርእስታት ዜና: ብመንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዝግበር ዘሎ መሬት ትግራይ ኣብ ካርታ ግዝኣት ምእታው ኣምሓራ ኲናት ምጽሕታር’ዩ ክብል ባይቶ ግዚያዊ ምም/ ትግራይ ኣጠንቂቑ። ነቲ ኣብ ባልቲሞር ዝፈረሰ ዓቢ ድንድል ዳግም ምምሕዳሩ ከምዝሃንጾ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ኣፍሊጡ ። ኣብ ደቡብ ፐርዝ ዘጋጠመ ብርቱዕ ባርዕ ጫካ ፡ ሸሞንተ ኣባይቲ ምስ ኣዕነወ ኣብትሕቲ ቁጽጽር ዊዒሉ ኣሎ ።
Wed, 27 Mar 2024 - 05min - 4959 - ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 መጋቢት 2024)
ንሎሚ 26 መጋቢት 2024 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኣርእስታት ዜና: ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ብኤለክትሪክ ዝሰርሓ ማካይን ከተእቱ መዲባ። ኣብ ምዕራብ ኣውስትራሊያ ካብ ከተማ ፐርዝ ብሸነኽ ደቡብ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ፡ ሰለስተ ኣባይቲ ነዲዱ ። ኣመሪካ ንውዕል ምቁራጽ ተዅሲ ቓዛ ድምጺ ተዓቅቦ ብምግባራ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል :ላዕለዋይ ልኡኽ ናብ ኣመሪካ ክሰዶ መዲብዎ ዝነበረ ሰሪዝዎ፣
Tue, 26 Mar 2024 - 06min - 4958 - “ዕዳ ማለት ናይ በረኻ ገበል ኣምጺእካ ወዲ ገዛኻ ክኸውን ከም ምፍታን’ዩ።” መሓረና ይከኣሎ
ዕዳ ምዕዳይን ምሕደራኡን፡ ዓይነታት መድሕን ወይ ኢንሹራንስን ጥቕሞምን፡ ኣበየናይ ኢንቨስት ክንገብር ወይ ከነውፍር፡ ብዛዕባ ስቶክ ማርኬት፡ ቦንድን ካልእ ሕቶታትን ኣብዚ ቃለመሕትት ብኣቶ መሓረና ይከኣሎ ተተንቲኖም ኣለዉ። ኣቶ መሓረና ኣብ ኣመሪካ ኣማኻሪ ፋይናንስ እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብዝመጻሉ ብዛዕባ ኣብ ቢዝነስ ምንጣፍ፡ ኣገባብ ልቓሕን ምሕደራ ዕዳ፡ ምውናን ገዛን ካልእ ምስ ዋኒን ዝተኣሳሰር ትምህርታዊ ትሕዝቶ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ኣካፊሉ ነይሩ። እዚ ቀሪቡ ዘሎ ካልኣይ ክፋሉን ናይ መወዳእታን ቀሪቡ ኣሎ።
Tue, 26 Mar 2024 - 24min - 4957 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 መጋቢት 2024)
ንሎሚ ሰኑይ 25 መጋቢት 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምሩኻት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ብምሕረት ከም ዝለቐቐ ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ታየ ኣፅቀስላሰ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትውንን ማሕበረሰብ ዓለም ክግድፋ ሓቲቱ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምምሕዳር ባይደን ን"ፍትሕን ተሓታትነትን ኲናት ትግራይ" ዕሽሽ ብምባሉ ነቒፉ። ዝብሉን ካልእን ዝሓዘ ጸብጻብ ል ኡኽና ክቐርብ እዩ። ሓጺር ጸብጻብ ኢፍጣር ኣብ መልበርን፡ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ምዕራብ ኣውስትራሊያ ባርዕ ጫካ እናገደድደ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ሩሲያ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንዝተቐትሉ ሰለስተ ቘልዑ ዝርከብዎም 133 ሰባት ሓዘን ተኣዊጁ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምምሕዳር ባይደን ን"ፍትሕን ተሓታትነትን ኲናት ትግራይ" ዕሽሽ ብምባሉ ነቒፉ።
Mon, 25 Mar 2024 - 53min - 4956 - ዓመታዊ ስነስርዓት ኢፍጣር ብ ካውንስል ኤርትራዊያን ኣውስትራሊያዊያን ጀበርቲ።
ካውንስል ኤርትራዊያን ኣውስትራሊያዊያን ጀበርቲ ዓመታዊ ረመዳን ኢፍጣር ኣብ ኣዳራሽ ኮሊንግዉድ ብ24 መጋቢት 2024 ኣካይዱ። ነቲ ስነስርዓት ዝምልከት ሓጺር ጸብጻብ።
Mon, 25 Mar 2024 - 06min - 4955 - ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 መጋቢት 2024)
ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ምዕራብ ኣውስትራሊያ ባርዕ ጫካ እናገደድደ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ሩሲያ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንዝተቐትሉ ሰለስተ ቘልዑ ዝርከብዎም 133 ሰባት ሓዘን ተኣዊጁ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምምሕዳር ባይደን ን"ፍትሕን ተሓታትነትን ኲናት ትግራይ" ዕሽሽ ብምባሉ ነቒፉ።
Mon, 25 Mar 2024 - 13min - 4954 - ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ታየ ኣፅቀስላሰ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትውንን ማሕበረሰብ ዓለም ክግድፋ ሓቲቱ። (ጸብጻብ)
ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምሩኻት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ብምሕረት ከም ዝለቐቐ ኣፍሊጡ። ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ምምሕዳር ባይደን ን"ፍትሕን ተሓታትነትን ኲናት ትግራይ" ዕሽሽ ብምባሉ ነቒፉ። "ንህዝቢ ኦሮሞ ካብ መረበቱ ምፍንቓል ኣብቂዑ ኣሎ" ክብል ርእሰምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ተዛሪቡ። ንመሓዝኦም ዝቐተሉ ኤርትራውያን ካብ ኣርባዕተ ክሳብ 22 ዓመታት ክእሰሩ ተፈሪዶም።
Mon, 25 Mar 2024 - 06min - 4953 - MiniPod: Ep12 Future Plans| English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ መበል 12 ክፋል፡ መጻኢ መደባት| English on Repeat (Easy)
Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: Do you have any plans? | I want to travel. | I hope to start a business. | I plan to save money. | I’d like to live near the beach. - ነዚ ናይ ምዝራብ ክእለትና ከነመሓይሽ ዝሕግዝ ሓረጋት ቋንቋ እንግሊዝ እናደጋገምና ንመሃረሉ መደብ 'English on Repeat' ስምዕዎ፡ ዝኾኑ መድባት ኣለዉኹም ድዮም፧ | ኣነ ክገይሽ (ክጓዓዝ) ይደሊ። | ሓደ ንግዲ ክጅምር ተስፋ 'ገብር። | ገንዘብ ከዋህልል ይምድብ (መደብ ኣሎኒ)። | ጥቓ ገምገም ባሕሪ ክነብር ድሌት ኣሎኒ።
Mon, 25 Mar 2024 - 05min - 4952 - ቢንያም ግርማይ ኣብ ኼንት ዌቨለኸም 7ይ ወጺኡ፣ ኣብ ግጥማት ኣፍሪቃ ኢትዮጵያ ብ9 ወርቂ 8ይ ኤርትራ ኸኣ ብ7 ወርቂ መበል 11 ወዲኤን፣
ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (25/03/2024) * ኣብ ግጥማት ኣፍሪቃ ኣክራ 2023 ኢትዮጵያ ብብዝሒ ኣብ ኣትለቲክስ ዘመዝገበቶም ዓወታት ተጠቒማ 9 ወርቂ ዝርከብዎም 22 መዳልያታት ኣዋህሊላ 8ይ ክትውድእ’ንከላ ኤርትራ ዝበዝሑ ብቅድድም ብሽግለታ ዘመዝገበቶም 7 ወርቂ ዝርከብዎም 15 መዳልያታት ኣዋህሊላ ኣብ መበል 11 ተርታ ተሳትፎኣ ዛዚማ፣ * ኢትዮጵያ ኣንጻር ሌሶቶ ክልተ ምሕዝነታዊ ግጥማት ኣካይዳ ኣብ’ቲ ቀዳማይ 2-1 ክትሰዓር’ንከላ ኣብ’ቲ ካልኣይ 2-1 ስዒራ፣ * ቢንያም ግርማይ ኣብ ቅድድም ብሽግለታ ኼንት ዌቨለኸም ተሳቲፉ ዝነኣድ 7ይ ወጺኡ፣ * ማልያታት ሃገራውያን ጋንታታት እንግሊዝን ጀርመንን ምስ ቅዲን ኣፍረይቲ ትካላት ስፖርታዊ ናውትን ብዝተኣሳሰር ምስሕሓብ ተፈጢሩ ኣዘራረብቲ ኮይኖም፣
Mon, 25 Mar 2024 - 13min - 4951 - The importance of understanding cultural diversity among Indigenous peoples - ኣገዳስነት ምርዳእ ኣብ መንጎ ደቀባት ዘሎ ብዙሕነት፡
Understanding the diversity within the First Nations of Australia is crucial when engaging with Aboriginal and Torres Strait Islander peoples and building meaningful relationships. - ምስ ተቐማጦ ደሴት ቶረስን ኣቦርጂንን ኣብ ዝግበር ጽምዶ ትርጕም ዘለዎ ርክብ ንምህናጽ ፡ ኣብ መንጎ ቀዳሞት ህዝብታት ኣውስትራልያ ዘሎ ብዙሕነት ምርዳእ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ።
Thu, 21 Mar 2024 - 09min
Podcasts semelhantes a SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
- El Partidazo de COPE COPE
- Herrera en COPE COPE
- Es la Mañana de Federico esRadio
- La Noche de Dieter esRadio
- Hondelatte Raconte - Christophe Hondelatte Europe 1
- 財經一路發 News98
- La rosa de los vientos OndaCero
- Más de uno OndaCero
- La Zanzara Radio 24
- L'Heure Du Crime RTL
- El Larguero SER Podcast
- Nadie Sabe Nada SER Podcast
- SER Historia SER Podcast
- Todo Concostrina SER Podcast
- 安住紳一郎の日曜天国 TBS RADIO
- TED Talks Daily TED
- アンガールズのジャンピン[オールナイトニッポンPODCAST] ニッポン放送
- 辛坊治郎 ズーム そこまで言うか! ニッポン放送
- 飯田浩司のOK! Cozy up! Podcast ニッポン放送
- 吳淡如人生實用商學院 吳淡如
- 武田鉄矢・今朝の三枚おろし 文化放送PodcastQR
Outros Podcasts de Notícias e Política
- The Ray Hadley Morning Show 2GB
- Ben Fordham Live on 2GB Breakfast Radio 2GB
- The Bolt Report Sky News Australia / NZ
- Dateline NBC NBC News
- Credlin Sky News Australia / NZ
- You Cannot Be Serious Sam Newman
- Global News Podcast BBC World Service
- Nights with John Stanley 2GB & 4BC
- Late Night Live - Full program podcast ABC listen
- 3AW Mornings with Tom Elliott 3AW
- Ukraine: The Latest The Telegraph
- Paul Murray Live Sky News Australia / NZ
- Six Tackles With Gus 9Podcasts
- Hack triple j
- UFO WARNING UFO WARNING
- Sky Sports Radio's Big Sports Breakfast Sky Sports Radio
- The Rita Panahi Show Sky News Australia / NZ
- The Dan Bongino Show Cumulus Podcast Network | Dan Bongino
- The Tucker Carlson Podcast Tucker Carlson Network
- The Ray Hadley Morning Show - Full Show 2GB
Podcasts de SBS Arabic24
- SBS Vietnamese - SBS Việt ngữ SBS
- SBS Cantonese - SBS廣東話節目 SBS
- SBS Mandarin - SBS 普通话电台 SBS
- SBS Japanese - SBSの日本語放送 SBS
- SBS Lao - SBS ພາສາລາວ SBS
- SBS Bulgarian - SBS на Български SBS
- SBS Nepali - एसबीएस नेपाली पोडकास्ट SBS
- SBS Hindi SBS
- SBS Bangla - এসবিএস বাংলা SBS
- SBS Tamil - SBS தமிழ் SBS
- SBS Malayalam - എസ് ബി എസ് മലയാളം പോഡ്കാസ്റ്റ് SBS