Filtra per genere

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

5062 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ግንቦት 2024)
0:00 / 0:00
1x
  • 5062 - ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ግንቦት 2024)

    ፈነወ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስቢኤስ ትግርኛ (23/05/2024) ዜና: * ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ሸውዓተ ጓሶት ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ፣ * ብኣምባሳደር ቼክ ሪፐብሊክ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ትግራይ ዑደት ኣሳሊጡ፣ * ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ተጨውዩ ምቕታሉ ተሰሚዑ፣ * ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ደቡብ ብዝተፈጥረ ግጭት ሓደ ስጳኛዊ ዜጋ ከምዝሞተ ሚኒስትሪ ቱሪዝም ኣፍሊጡ። ክሲ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ እስራኤልን ሓማስን * ዋና ኣኽባር ሕጊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC) ንመራሕቲ እስራኤልን ሓማስን ብኽሲ ተኽእሎታት ገበናት ኲናት ተታሒዞም ክቐርቡ መጸዋዕታ ክለኣኸሎም ሓቲቱ። ዋና ዓቃብ ሕጊ ICC ካሪም ካን ሰለስተ መራሕቲ ሓማስን ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ምክልኻልን እስራኤልን ተታሒዞም ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ መጸዋዕታ ክቐርበሎም ኣመልኪቱ’ሎ። ንገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ተሓተትቲ ክኾኑ ብቑዓት መርትዖታት ኣለዉ ይብል። ሓጺር መለማመዲ መደብ ቋንቋ እንግሊዝ * ሓደ ሓጺር ፖድካስት ምልምማድ ኣደማምጻ ቃላት ቋንቋ እንግሊዝ ምስ ህብብቲ ጋዜጠኛ ቴሌቪዥን ኤስቢኤስ ኒውስ ጃኒስ ፒተርሰን ኣለና። እዚ ናይ ሓሙሽተ ደቒቕ ኣስተምህሮ ንጃኒስ ብምስማዕን ብምኽታልን ኣደማምጻና ከነመሓይሽ ዘኽእለና’ዩ። ሓቅታት ብዛዕባ ሕማማትን ቅጭውጫዋትን ኣብ ግዜ ሕርሲ * ጥኑሳት እንተኾይንክን ወይ ሓደስቲ ዝወለድክን ብኣጸዋውዓ ቋንቋ እንግሊዝ 'በይቢ ብሉስ' ክበሃል ሰሚዕክን ትኾና፡ እዚ ኣብ ኣርባዕተ ካብ ነብሲወከፍ ሓሙሽተ ደቀንስትዮ ምስ ሓረሳ ዘጋጥመን'ዩ። እቲ ድሕሪ-ምሕራስ ዘጋጥም ጭንቀት (ፖስትነይታል ዲፕረሽን) ግን ካልእ ዝተፈልየ'ዩ። እዚ ንሓዲኦም ካብ’ቶም ወለዲ ከጋጥሞም ይኽእል፡ ክሳብ መዓስ ይጸንሕን ይኸብድን ከኣ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ። ኣብ'ዚ ትሕዝቶ ነቶም ድሕረ-ወሊድ ጭንቀት ዝገብረሎም ሰባት ክሕከሙን ደገፍ ክረኽቡን ኣብ ኣውስትራልያ ዘለዉ ቀረባት ኣገልግሎት ክንፍትሽ ኢና።

    Thu, 23 May 2024 - 48min
  • 5061 - ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 ግንቦት 2024)

    * ኖርወይ፣ ኣየርላንድን ስፐይንን ካብ ግንቦት 28 ሃገረ ፍልስጤም ብወግዒ ኣፍልጦ ክህቡ ምዃኖም ገሊጾም፣ * ዝለዓለ ትካል ስነፍልጠት ኣውስትራልያ ኑክለሳዊ ጸዓት ካብ ንፋስ ወይ ጸሓያዊ ጸዓት ንላዕሊ ብክልተ ዕጽፊ ዝኸበረ’ዩ ይብል፣ * ኒውካስትል ዩናይትድን ቶተንሃም ሆት ስፐርን ኣብ መልበርን ኣውስትራልያ ምሕዝነታዊ ግጥም ኣካይደን ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ኣመዝጊቡ ኒውካስትል ተዓዊታ፣

    Thu, 23 May 2024 - 14min
  • 5060 - ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ተጨውዩ ከምዝተቐትለ ተሰሚዑ

    ጸብጻባት ዜና (23052024) * ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ሸውዓተ ጓሶት ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ፣ * ብኣምባሳደር ቼክ ሪፐብሊክ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ትግራይ ዑደት ኣሳሊጡ፣ * ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዘይተፈልጡ ዕጡቓት ተጨውዩ ምቕታሉ ተሰሚዑ፣ * ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ደቡብ ብዝተፈጥረ ግጭት ሓደ ስጳኛዊ ዜጋ ከምዝሞተ ሚኒስትሪ ቱሪዝም ኣፍሊጡ፣

    Thu, 23 May 2024 - 05min
  • 5059 - ኣብ ግዜ ሕርሲ ዘጋጥሙ ጭንቀታት እንታይ`ዮም፧ ደቂተባዕትዮ ኸ ይጭነቑ ድዮም፧

    ጥኑሳት እንተኾይንክን ወይ ሓደስቲ ዝወለድክን ብኣጸዋውዓ ቋንቋ እንግሊዝ 'በይቢ ብሉስ' ክበሃል ሰሚዕክን ትኾና፡ እዚ ኣብ ኣርባዕተ ካብ ነብሲወከፍ ሓሙሽተ ደቀንስትዮ ምስ ሓረሳ ዘጋጥመን'ዩ። እቲ ድሕሪ-ምሕራስ ዘጋጥም ጭንቀት (ፖስትነይታል ዲፕረሽን) ግን ካልእ ዝተፈልየ'ዩ። እዚ ንሓዲኦም ካብ’ቶም ወለዲ ከጋጥሞም ይኽእል፡ ክሳብ መዓስ ይጸንሕን ይኸብድን ከኣ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይፈላለ። ኣብ'ዚ ትሕዝቶ ነቶም ድሕረ-ሕርሲ ጭንቀት ዝገብረሎም ሰባት ክሕከሙን ደገፍ ክረኽቡን ኣብ ኣውስትራልያ ዘለዉ ቀረባት ኣገልግሎት ክንፍትሽ ኢና።

    Wed, 22 May 2024 - 12min
  • 5058 - ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ገበን መራሕቲ እስራኤልን ሓማስ ተታሒዞም ኣብ ፍርዲ ክቐርቡ መጸዋዕታ ክለኣኸሎም ሓቲቱ

    ዋና ኣኽባር ሕጊ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC) ንመራሕቲ እስራኤልን ሓማስን ብኽሲ ተኽእሎታት ገበናት ኲናት ተታሒዞም ናብ ሕጊ ክቐርቡ መጸዋዕታ ክለኣኸሎም ይሓትት ኣሎ። ዋና ዓቃብ ሕጊ ICC ካሪም ካ'ን ሰለስተ መራሕቲ ሓማስ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁን ሚኒስተር ምክልኻል ዯቭ ጋላንትን ክተሓዙ ወይ ተታሒዞም ኣብ’ቲ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ መጸዋዕታ ክቐርበሎም ኣመልኪቱ’ሎ። ንገበናት ኲናትን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ተሓተትቲ ክኾኑ ብቑዓት ዝኾኑ መርትዖታት ኣለዉ ኸኣ ይብል።

    Tue, 21 May 2024 - 10min
Mostra altri episodi